ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋታት ውሕጅን ምህማም መሬትን ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቦም

ደቡብ ኦሞ ዳሰነች ወረዳ

ምንጪ ስእሊ, South Omo Zone Public Relation Office

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ዳሰነች ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ዛጊድ ኣስታት 43 ሽሕን 670 ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉ ክግለጽ ከሎ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ብዝተፈጠረ ምህማም መሬት ድማ 135 መንበሪ ኣባይቲ ፈሪሶም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ካብ 25 ሓምለ 2012 ኣ.ኢ ጀሚሩ ምምላእ ሩባ ኦሞ ብዘኸተሎ ውሕጅ ኣብ 19 ደሴታት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብማይ ተኸቢቦም’ዮም። ብጀልባ ተሓጊዙ ብዝተገበረ ጻዕሪ ከኣ 43 ሽሕን 670 ሰባት ነበርቲ ካብቲ ማይ ንምውጻእ ተኻኢሉ።

እቶም ነበርቲ ኣብ 8 ደረቕ ከባብታት ክሰፍሩ ከምዝተገበረ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት እቲ ወረዳ ኣይተ እንዳሻው ኣብ ፌስቡክ ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ዞባታት ስልጤን ደቡብ ኦሞን ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ውሕጅ ነበርቲ ካብ ገዛውቶም ከምዝተፈናቐሉ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ እቲ ዝናብ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ካልኦት ከባብታት’ውን ሓደጋ ከጋጥመን ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ንዝተፈናቐሉ ወገናት መጽለልን ካልእ ሓገዛትን ይግበረሎም ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ነቶም ተፈናቐልቲ ከጋጥምዎም ካብ ዝኽእሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ተወከልቲ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ኣረዲኡ።

እቲ ግዚያዊ መጽለሊ ክዳሎ ከሎ ድማ ንምክልኻል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ’ሎ።

ብተዛማዲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 135 ኣባይቲ ብምፍራሶም 336 መራሕቲ ስድራ ንሓደጋ ተቓሊዖም።

እቲ ሓዳጋ ዘጋጠመን ከባብታት ሚዛን፣ ጡረት፣ ለጋ የጠረብ፣ ጅት ባህር፣ ወጀል አንቅራቅ፣ እነቢ ጭፋርን ኣዲስ ኣምባ ጨሊያ ከምዝኾና ተፈሊጡ።

ካልኦት 60 ዝበጽሑ ገዛውቲ ሓደጋ ምፍራስ ዘንጸላለዎም ክኸውን ከሎ ካብ 125 ክሳብ 135 ሄክታር መሬት ሕርሻ ኣዝርእቲ ከምኡ’ውን 135 ሄክታር ናይ ኣትክልትን ፍረታትን ሕርሻ ጉድኣት በጺሕዎ’ሎ። ከብትን ኣጣልን’ውን ሞይተን።

ካብ ገዝኦም ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ድማ ምስ ኣዝማዶም፣ ምስ ጎረባብቲ፣ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ከምዘጽለሉ ተፈሊጡ።