ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰቖቓ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤት ማእስርቲ ስዑዲ

ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ብሹፌርነት (ምምራሕ) ዝሰርሐ ዓብዱ ብዙሓት ቆልዑ ካብ ዘለውዎ ስድራ ዝወጸ እዩ። ዝሓሸ ኣታዊ ብምርካብ ንወለዱ ከምኡ’ውን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንምሕጋዝ ብዝብል ድማ ምስ መሓዙቱ ብጂቡቲ ባሕሪ ሰጊሩ ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ የመን ኣትዩ።
ዓብዱ ካብ ጂቡቲ ተበጊሱ ብባሕሪ ንምስጋር 25 ሽሕ ብር ክኸፍል ከሎ: የመን ምስበጽሑ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር 3500 ሪያል [ኣስታት 35 ሽሕ ብር ኢትዮጵያ] ክኸፍል ተገዲዱ።
ኣብ ሓንቲ ጀልባ 180 ተጸቓቒጦም ን9 ሰዓታት ዝኣክል በቲ ሓደገኛ ባሕሪ ምስ ተጓዓዙ ናብ የመን ክኣትዉ ክኢሎም ነይሮም። ሽዑ ብስግኣት ኲናትን ሕማምን ተኸቢቦም 15 መዓልታት ካብ ዝነበሩሉ ቦታ ከይተንቀሳቐሱ ጸኒሖም።
ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ነታ ሃገር ገዲፎም ክወጽኡ ጸቕጢ ይገብሩሎም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ኣብታ ሃገር ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ዓብዱንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።።
ኣብቲ ዝነበሩሉ ቦታ ንሓጺር እዋን ምስጸንሑ ብምኽንያት ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ጉጅለ ሑቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረትን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ካብቲ ኣዕቚቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ክወጽኡ ተገዲዶም።
ስቅያት ማእሰርቲ!
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣመኽንዩ ካብ ግዝኣቱ ብሓይሊ ዘውጽኦም እዮም። በቲ ሰራዊት ሑቲ ካብ የመን ክሰጎም ከሎ ስዑዲ ድማ ከይኣትውዋ ክትከላኸል: ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ይዝረብ።
ዓለም-ለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዋች: ኣብ መእተዊ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፤ ዕጡቓት ሑቲ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሰሜናዊ የመን ከምዝሰጎጉን ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ከምዝቐተሉን ኣፍሊጡ ነይሩ።
“ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት ብሓለውቲ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸሞም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ጎቦታት ሃዲሞም’ዮም” ክብል’ውን ገሊጹ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ናብ ስዑዲ ምስ ኣተዉ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዝተኸሰተ ኣብቲ ዝተዳጎኑሉ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሮም ኣለዉ። ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም እቶም ስደተኛታት ነቲ ዝርከቡሉ ቦታ “ምድራዊ ሲኦል” ከምዝኾኖም ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።
ናብ ስዑዲ ምስ ኣተዉ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተስፋ’ኳ እንተገበሩ: ዘጋጠሞም ግን ብጸገማትን ሕማምን ናብ ዝሳቐዩሉ ቤት ማእሰርቲ ምድብራይ እዩ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዛዕባ ዘሎ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ንቢቢሲ ዝሓበረ ሓደ ካብኦም: ብዙሓት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይሳቐዩ ከምዘለዉ ግን ካብቶም ስደተኛታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 20 ካንሸሎታት (መረባታት) ከምዘለዎን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ካንሸሎ ጥራይ ኣስታት 400 ስደተኛታት ተጨናኒቖምን ጽርየቱ ኣብ ዘይሓለወ ኩነታትን ተኣሲሮም ከምዝርከቡ እቶም ስደተኛታት ሓቢሮም።
ደቂኣንስትዮ ተኣሲረን ካብ ዝርከባሉ ቤት ማእሰርቲ ንሓንቲ ኢትዮጵያዊት ረኺብና ኔርና። ዋላ'ኳ ከምቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተጸቓቐጠ ኩነታት እንተዘይተኣሰራ ዋዕን ፍርየትን ግን ንዓኣተን'ውን ፈተና ከምዝኾነን ተዛሪባ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ደቀን ከምኡ'ውን ነብሰጾራት ከምዝርከባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እተን ደቂኣንትስዮ ምስ ህጻናት ደቀን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከባ ይዛረባ። ንሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ "ናብ ሃገርና ምለሱና" ዝብል ሕቶ እንተቕረባ'ውን "እዚ ዝምልከቶ መንግስቲ ሃገርክን እዩ" ዝብል መልሲ ጥራይ ከምዝረኸባ ይገልጻ።
ቅድሚ ሕዚ ሓደ ናይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተወካሊ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ ከምዘዘራረበንን ናብ ሃገረን ንኽምለሳ ጻዕሪ ከምዝግበር ቃል ከምዝኣተወለንን ብምዝኽኻር፤ እንተኾነ እቲ ተስፋ "ጨና ማይ" ኮይኑ ከምዝተረፈ እታ ዘዘራረብናያ ገሊጻትልና።
ዓብዱ ብወገኑ "መንግስታት ስዑድን ኢትዮጵያን ረሲዖምና እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ኣብ ኣዝዩ ስቓይ ዝተምልኦ ኩነታት መዓልታት ንቖጽር ዘለና" ይብል።
ንስድርኡ ክረድእ ኢሉ ምስወጸ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ብምእታው ወለዱ ብጭንቀት ይጉድኡ ከምዘለዉ ይዛረብ።
እቶም ስደተኛታት ንዝርከቡሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ እንግሊዝ ዝሕተም ጋዜጣ 'ዘ ቴሌግራፍ' ሰፊሕ ጸብጻብ ምስ ኣውጸአ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ እሱራት ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ሕቶ ብምቕራብ ነቲ ተግባር ኮኒኖም'ዮም።
ድሕሪ'ዚ ድማ፤ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ለንደን ብዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፤ ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ክሲ ኣብ ኩለን ብመንግስቲ ዝመሓደራ ኣብያተ ማእሰርቲ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር "ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ዘይተማልእ እንተኾይኑ መእረምታ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ።
ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ
ካብቶም ኣብ ስዑዲ ተኣሲሮም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታትን ስቓይን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን እሱራት እቶም ዝበዝሑ ካብ ትግራይ ከምዝኸዱ ይግለጽ። ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ተታሓሒዙ ድማ መንግስቲ ፌደራል ነዚ ጉዳይ "ኮነ ኢሉ" ትኹረት ከምዘይሃቦ ዝዛረቡ ኣካላት ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ካብ ኣባላት ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት እቲ ሓደ ጉዳይ ኣብ ስዑዲ ብማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ እሱራት ዝምልከት'ዩ ነይሩ። ሽዑ ንሱ ዝሃቦ መልሲ "ምስቶም ስደተኛታት ተመሳሲሎም ዝኣትዉን ድሕነት ሃገር ናብ ሓደጋ ንምእታው ልኡኽቶ ዝሓዙን ስለዘለዉ ብጥንቃቐ ክስራሕ ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ'ዩ ነይሩ።
እዚ መልሲ ቀዳማይ ሚንስትር ድማ ኣብቲ ሽዑ እዋን ንብዙሓት ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ። 'ዜጋታት ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከቡ ብምስልታት ዝተሓገዘ መረዳእታ እናቐረበ ከሎ ነዚ ኢልካ ምዝራብ ግቡእ ኣይኮነን' ዝበሉ ብዙሓት ሰባት እዮም።
መንግስቲ ትግራይ ነቲ ጉዳይ ከምዝከታተሎ ዘሎ ንምግላጽ ናብ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ብቐጥታ ደብዳበታት ከምዝጸሓ ኣፍሊጡ'ሎ። መንግስቲ ፌደራል ንጉዳይ እቶም እሱራት ጸማም እዝኒ ከምዝሃበ ዝሓበረ እቲ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ ግን ክቕበሎም ድልው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ነቶም ስደተኛታት ብቐጥታ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከብጽሕዎም ምሕጽንታ ዘቕረበ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ፤ ዝምለሱሉ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ድማ ንሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ዘይቃልዑሉ ኩነታት ክጸንሑ ኣዘኻኺሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ይብል?
መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ይሰርሕ ከምዘሎ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለሱሉ ጉዳይ ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።
ካብ 2017 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 400 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ስዑዲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ዘዘኻኸረ እቲ ሎሚ ሓሙስ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ንምቕባል ነጺጋ ኣይትፈልጥን ኢሉ። እንተኾነ ብመሰረት ዘለዋ ሃብትን ዓቕምን ከምዝውሰን ድማ ሓቢሩ።
ዜጋታት ንምምላስ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ምትሕብባር ኣገዳሲ'ዩ ዝብል እቲ መግለጺ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ፣ ሚንስትሪ ጥዕና፣ ሚንስትሪ ሰላም፣ ሚንስትሪ ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚንስትሪ መጓዓዝያ ከምኡ ድማ ኮሚሽን ፈጠራ ስራሕን ክልላዊ ቢሮታትን ኣብዚ ጉዳይ ተዋሃሂዶም ከምዝሰርሑ ኣረዲኡ።
ኣብ ቤሩት ምስ ካልኦት ኣካላት ብምዃን ዕውታት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ የመን ምስ ዝርከብ ጨንፈር ሕቡራት ሃገራት ከምኡ'ውን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ጉዳይ ንሰርሕ ኣለና ይብል እቲ መግለጺ።
"ዶብ ሰጊሮም ናብ ስዑዲ ዝኣትዉ ስደተኛታት ቁጽሮም ይውስኽ ኣብዘለሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋኒናትን ስደተኛታት ብቐዳምነት ዝሕገዙሉ ኩነታትን ምስ ንግስና ስዑዲ ዓረብ ተቐራሪቡ ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ'ሎ።
ቁጽሪ ናይቶም ስደተኛታት ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ከምኡ'ውን ኣብ ጂዳ ዘሎ ቆንስላ ምሉእ ትኹረቶም ነዚ ጉዳይ ከምዝሃቡ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ይሕብር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







