“መሬት ዓድና ክንረግጽ” ኢለን ዝምሕጸና ኢትዮጵያውያን ኣብ ሊባኖስ

ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን

ሃገረ ሊባኖስ፡ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናይ ቁጠባ ውድቀት ኣጋጢሙዋ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኢትዮጵያውያን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ንጸገም ተቓሊዐን ኣለዋ።

ብምኽንያት እዚ ውድቀት ቁጠባ፡ ቆጸርተን መሃያ ክኸፍሉወን ስለ ዘይከኣሉ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ግዳም ወጺአን ኣለዋ።

ኣብ ሊባኖስ ብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጠት ትነበብ ሃይሉ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ብኣስራሕተን ኣብ ግዳም ተደርብየን ምህላወን ትዛረብ።

“ኣብ ግዳም ካብ ምድርባይ ይሓይሽ” ብምባል መጽለሊ ቤትን ምግብን ክረኽባ ኢለን መሃያ ከይተኸፈለን ዝሰርሓ ዘለዋ ኢትዮጵያውያን ውሑዳት ዘይምዃነን’ውን ትገልጽ።

ውድቀት ቁጠባ ሊባኖስ

ናይታ ሃገር ባጤራ፡ "ፓውንድ ሊባኖስ" ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ፡ ወዲቑ እዩ። 70 ሚኢታዊት ዋግኡ እዩ ስኢኑ።

ኣብ ዓለምና፡ ዘይተኸፍለ ብዙሕ ዕዳ ካብ ዘለወን ሃገራት፡ ሊባኖስ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እያ ትስራዕ።

እዛ ሃገር፡ ሸቕሊ ኣልቦ ዝኾኑ መናእሰይ ብዘልዓልዎ ናዕቢ ክትሕቆን’ውን እያ ጸኒሓ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተነብረ እገዳታት ድማ፡ ነቲ ኩነታት ከም ዘጋድዶ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ውድቀት ቁጠባ፡ ኣብ ሊባኖስ ንዝሰርሓ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸራ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ዓብዪ ብድሆ ሒዙለን እዩ መጺኡ።

"ማዳም . . . ደርብያትኒ ከይዳ"

ሓንቲ ካብተን ብኣስራሕተን ናብ ግዳም ክወጻ ዝተገደዳ፡ ጣይቱ ሙለታ እያ። ጣይቱ ናብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሊባኖስ፡ ናብ ቤይሩት ካብ እትመጽእ ዓመታት ኣቑጺራ።

ጣይቱ፡ ቆጸርታ ኣብ ክልተ ቦታ የስርሕዋ ከም ዝነበሩ እያ ትገልጽ።

“ድኳንን ቤት ምግብን የጽርይ። ዝኸፍልዎ ምስሰኣኑ፡ ክልተ ዓመት ሰሪሐ እንከለኹ፡ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ መሃያ ጥራይ እዩ ዘለኪ” ኢሎምኒ። ዝሃቡኒ ኸኣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ እዩ” ክትብል ነቲ ዝበጽሓ በደል ትዛረብ።

ወርቂቱ ቦኬ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ እዩ ዘለዋ። “ብዘይ ዕረፍቲ እየ ዝሰርሕ ነይረ። እቲ ሕማም ምስመጸ፡ ማዳም ዝኽፈል ምስሰኣነት ‘ኣውጺአ ክድርብየኪ እየ’ እናበለት ተፈራርሓኒ ነይራ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ገለ ከይሓዝኩ ብታክሲ ኣምጺኣ ኣብ’ቲ ኤምባሲ ደርብያትኒ ከይዳ” ትብል።

ጣይቱን ወርቂቱን፡ ኣስራሕተን ካብ ገዛ ኣውጺኦም ምስ ደርበዩወን ኣብ ግዳም ከም ዝሓደራ ይገልጻ።

"ናይ መጀመርያ መዓልተት ኣብ ግዳም ሓዲረ። ምሳይ ብዙሓት ነይረን። ድሕሪኡ፡ ኢትዮጵያውያን ኣልዒለን ናብ ሆቴል ወሰደናና። ምግቢ’ውን ይህባና ኣለዋ። ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስላ ዝሰርሑ ሰባት’ውን መዝጊቦምና’ዮም። ብኸም’ዚ ክሳ ብመዓዝ ኢና ክንጸንሕ ኣይፈልጥን” ትብል ወርቂቱ።

ኣብ ቤይሩት ሰለስተ ዓመት ክትነብር እንከላ፡ ካብ ገዛ ወጺኣ ኣይትፈልጥን። “ነታ ዓዲ ኣይፈልጣን፡ ዝፈልጦ ዋላ ሓደ ሰብ የለን” ትብል።

ነዘን ብኣስራሕተን ናብ ግዳም ዝተደርበያ ሰራሕተኛታት እናልዐለ ኣብ ሆቴልን መንበሪ ገዛን ክጸንሓ ዝገብር ዘሎ፡ ብኢትዮጵያውያን ዝቖመ “እኛ ለኛ በስደት” ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ጉጅለ እዩ።

ናይ’ዚ ጉጅለ ኣተሓባባሪት ጽጌሬዳ ብርሃኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ናይ ሓንቲ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ መሃያ ብማእከላይ 150 ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ ትዛረብ።

ዜጋታት ሊባሰስ ብምኽንያት እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ናይ ምኽፋል ዓቕሞም ደኺሙ እዩ።

ዶላር ካብ ባንኪ ከውጽኡ’ውን ኣይክእሉን እዮም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ክረኣይ ካብ ዝጀመረሉ ካብ 2017 ኣትሒዙ፡ መሃያ ዘይተኸፈለን ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣለዋ ትብል።

እቶም ክኸፍሉ ዝኽእሉ’ውን ብናይቲ ዓዲ ሸርፊ እዮም መሃያ ዝኸፍል ዘለዉ ትብል ጽጌሬዳ።

“ሓንቲ ሰራሕተኛ ናብ ዓዲ ገንዘብ ክትልእኽ እንተኾይና፡ ገንዘብ ዝሕውሉ ትካላት ድማ ብዶላር ጥራይ ስለዝቕበሉ፡ ዶላር ካብ ጸሊም ዕዳጋ ዓዲገን ክልእኻ እንተለዋ 80 ሚኢታዊት ዋግኡ እዩ ዝስእን” ትብል።

በዚ ድማ፡ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን’ውን፡ በቲ ቅልውላው ናይ ቁጠባን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ካብ ስርሖም ወጻኢ ከም ዝኾኑ ትገልጽ።

ናብ ዓድና ክንምለስ

ጣይቱን ወርቂቱን “ናብ ዓድና ክንምለስ ጥራይ ኢና ንደልይ” ይብላ።

ኣብ ቤይሩት ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕዚ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንዘይብለን ኢትዮጵያውያን ሰነድ ብምድላው፡ ብኽልተ በረራታት ን 658 ሰባት ካብ ቤይሩት ናብ ኣዲስ ኣባባ ከምዝመለሰ፡ ቆንስል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣክሊሉ ታጠረ ይዛረብ።

ኣብ’ታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ትርከብ ሃገረ ሊባኖስ ልዕሊ 400 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ይግመት።

ካብዚኦም ድማ እቶም 70 ሚኢታዊት ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ምዃኖም ካብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቶም ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም እውን፡ ካብቲ ጸገም ኣየምለጡን።

ኣይተ ኣክሊሉ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎን 133 ኢትዮጵያውያን ኣስራሕተን ናብ ግዳም ኣውጺኦም ከም ዝደርበዩወን ይዛረብ።

እዚ ተግባር፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ሰራሕተኛታት ዝጠሓሰ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኢሰብኣዊ’ውን ብምዃኑ ንመንግስቲ እታ ሃገር ብደብዳቤ ከም ዘፍለጡ ይዛረብ።

መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ኣስራሕቲ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ድማ ነቒፉ።

ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታት ሊባኖስ ድማ፡ ምስ ቆንስላ ኢትዮጵያ ኮይንና ነዚ ጸገም ክንፈትሖ ንሰርሕ ኣለና ኢና ኢሉ።

ነተን ሰራሕተኛታት መሃያ ብዘይምኽፋሉ ኮነ ብምስጓጉ ዝተኸሰሰ ኣስራሒ ከም ዘየለ ግን እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ምህላዉ'ውን ሓቢሩ።