ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደብዳቤ ጽሒፎም

ምንጪ ስእሊ, This is Lebanon/FB page
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ንስራሕ ናብ ሊባኖስ ካብ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን፡ እቶም 34 ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዝሞቱ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ገበርቲ ሰናይን ገሊጾም።
እዚ ዝተገልጸ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ''መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይን ሞትን'' ደው ንምባል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወሰድ ኣብ ዝሓትት፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጽሓፈ ደብዳበ እዩ።
ቀንዲ ምኽንያት ሞት እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ብመስራሕቶም ብዝፍጸሞም ግፍዕን በደልን ምኽንያት ርእሰ ቅትለት ምፍጻምን፡ ሰብኣውነት ካብ ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ ንምህዳም ኣብ ዝገበርዎ ጻዕርን ከምዝኾነ ይግለጽ።
''ናብ ሃገር ሬሳ ምልኣኽ ደኺሙና'' ክብሉ ኣብ ደብዳበኦም ዝገለጹ እዞም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቤት ጽሐፈት ቆንሰላ ድሕነት እቶም ዜጋታት ንምውሓስ ይሰርሕ ሰለዘየሎ፡ መንግስቲ ሰጉምቲ ክወስድ ሓቲቶም።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ንሃገር ወኪሉ ኣብ ልእሊ'ቶም ዜጋታት ዝበጽሕ በደል ንምክልኻል ክሰርሕ ዝግበኦ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ካሊእ ከምዝኾነ እዩ ኣብቲ ደብዳበ ተገሊጹ።
ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሊባኖስ ዝተቐመጠትን ጸገም ንዝበጽሖም ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ካብ ዝንቀሳቕሱ ሓንቲ ባንቺ ይመር ብዛዕባ እቲ ጸገም ንኣካላት መንግስቲ ብተደጋጋሚ ከምዝተዛረበት ትገልጽ።
እንተኾነ፡ እቲ ቆንስላ ዜጋታት ንምሕጋዝ ግቡእ ጻዕሪ ሰለዘይገብር እቶም ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣጣይሾም ዝከኣሎም ንምግባር ከምዝፍትኑ ትገልጽ።
ኣብ መዓልቲ ካብ ሓሙሽተ ዝዛይዱ ኢትዮጵያውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኮይኖም ከምዝድውሉላ ትዛረብ።
''ጸገማት እንተጋጥም ሓበሬታ በጺሕዎም እኳ ኣይተሓባበሩን፡ ሰልኪ ደዊልካ 'ውን ኣየልዕሉን'' ትብል።
ብዛዕባ እቲ ዝተልዓለ ክሲ ንምሕታት ቢቢሲ ብኣርባዕተ ቁጽርታት እቲ ቤት ጽሕፈት ብተደጋጋሚ ደዊሉ ንምሕታት ዝፈተነ ኮይኑ፡ እቶም ሰለስተ ሰልኪታት እናጸወዑ፡ ኣይለዓሉን።
እቲ ሓደ ደወል ግና ብድልየት እቲ ዝተደወለሉ ኣካል ተቛሪጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታት ሊባኖስ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 150 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰራሕቲ ተዋፊሮም ይርከቡ። ኮይኑ ግና፡ ብዘይጋዊ መገዲ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስለዘለዉ እቲ ቁጽሪ አዐርዩ ከምዝውስኽ ይእመን።
ኣይተ ሳሙኤል ተስፋይ፡ ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ተቐማጦ ሊባኖስ እዩ። ንሱ ኣብ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዘይበጽሕ ጸገም፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ከምዝበጽሕ ይዛረብ።
''ንኣብነት ክረኽብረዎ ዝግባእ ዝተሓተ መጠን መሃያ፣ መሰል ግቡእ ናይ ስራሕ ሰዓትን፡ መዓልቲ ዕረፍቶምን ይጠሓስ እዩ'' ይብል።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ካብ ሃገራት ወጻኢ ተሰዲዶም ሰራሕተኛታት ዝበጽሕ ስቓይ ብተወኺ፤ ኣብ ሰሙን ክልተ ሰራሕተኛታት ከምዝሞቱ ይገልጽ።
እቲ ዝኸበደ ድማ ነዚ ስቓይ ክስከሙ ዘይክእሉ ዕድሚኦም ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ህጻውንቲ ይመጹ ምህላዎም ከምዝኾነ ባንቺ ትዛረብ።
''ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡ፣ ካብ ዓሰርተ ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘለዉ፣ መግረፍቲ ዝፍጸሞም፣ ዝዕመጻ ደቂ ኣንስትዮን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጎኑን ሰባት፡ መማረጺ እንትስእኑ ንባዕሎም የጥፍኡ'' ብምባል መጠን እቲ ስቅያት ትዛረብ።
እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ሊባኖስ ጸገም እንትበጽሖም፡ ከም ናይ ባዕሉ ጸገም ርእዩ ዝከታተልን ዝሕግዞምን ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ክህሉ ከምዝደልዩ ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ አመልኪቶም።
ሓሓሊፉ እቲ ቆንስላ ኢዱ ዝሓውሰሉ ኣጋጣሚታት እንትህሉ ድማ፡ እቲ ቆንስላ ንናይ ዜጋታቱ መሰልን ድሕነትን ኣብ ክንዲ ምሕላቕ፡ ኣብ ቅድሚ መስራሕቶም ነቶም ኢትዮጵውያን ብምግፋዕን ብምውራድን ናብቲ ዝነበርዎ ህይወት ስቅያት ክምለሱ ከምዝገብር ባንቺ ትዛረብ።
ነበርቲ ሊባኖስ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ዘልዓልዎ መረረታት ኣመልኪቱ፡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት መልሲ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ደዊልና፤ እቶም ስልኪታት ኣይለዓሉን።
ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ቁጽሪ ስልኪ ሓላፊ ናይቲ ቆንስላ ረኺብና መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







