ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ዝጓዓዙለን ሰለስተ ሃገራት ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, LA
ሓድሽ ናይ ወፃኢ ሃገራት ናይ ስራሕ ምውፋር ኣዋጅ፡ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ሰራሕተኛ ምልኣኽ ዝከኣል ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቐባሊ ሃገርን ስምምዕ እንተተገይሩ ጥራሕ ምዃኑ ይድንግግ።
ብዚ መሰረት ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ናይ ስራሕ ምውፋር እገዳ መስከረም 30፡ 2011 ዓ/ም ተልዒሉ እዩ።
ይኹን 'ምበር፡ ቢቢሲ ዝረኾ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰለስተ ሃገራት ዓረብ ማለት ስዑዲ ዓረብ፡ ቀጠር (ኳታር)፣ ጆርዳን ጥራሕ እዩ ኣብ ክልተኣዊ ስምምዕ ክበጽሕ ክኢሉ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳበ፡ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል፡ አገልግሎት ሃገራዊ መረዳእታን ደሕነትን፡ ሲቪል ኣቭየሽን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጥብቂ ቑፅፅርን ሓለዋን ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም። እቲ ደብዳበ ፤ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛን ቅዳሕ ተልኢኹሎም እዩ።
ስምምዕ ካብ ዝተገበረሎም ወፃኢ ዘለዉ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ናብ ኩዌት ባህረይን፡ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬት፤ በይሩትን ኦማን ዘአመሰሉ ሃገራት ዝኾነ ይኹን ናይ ስራሕ ምውፋር ምንቕስቃስ ከይግበር መንግስቲ ኣጠንቂቑ።
ናብዘን ክልቲኣዊ ስምምዕ ዘይተፈፀመለን ሃገራት፡ ብዘመድ ምሕታት፡ ብዑደትን ንግድን ዓይነት ቪዛ ኣውፂኦም ሕጋዊ ዘይኮነ ናይ ስራሕ ምውፋርን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተዋፈሩ ውልቀሰባትን ኤጀንሲታትን ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ መንግስቲ አተሓሳሲቡ።
ነዚ መጠንቀቕታ ጥሒሶም ዝንቀሳቐሱ ድማ፡ መንግስቲ ዘይዳግም ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
ብዚ ሕጋዊ ዘይኮነ መንገዲ፡ ዝግበር ናይ ስራሕ ምውፋር ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንስቓይን ሞትን ዜጋታት እናቃለዐ ምዃኑ ይዝረብ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን ዝበሎም ካብ 150 ንላዕሊ ሰራሕተኛታት ሰጉጉ ከም ዝነበረን፡ ስዒቡ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገረት ማእኸላይ ምብራቕ ዝግበር ናይ ስራሕ ምውፋር ከይግበር ኣጊዱ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







