ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ንምልኣኽ ምስ ኩዌት ምድርዳር ትደሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገራት ዓረብ ዝኸዳ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ዝፍፀም ከቢድ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጥቕዓታት ናብተን ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ ኣጊዱ ነይሩ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰራሕተኛታት ናብ ደገ ምውፋር ዝምልከት ሓድሽ ኣዋጅ ኣፅዲቑ ነይሩ። ይኹን ዳኣ'ምበር ቅድሚ ሕደት ሰሙናት ነቲ እገዳ መሊሱ ከምዘልዓሎ ይዝከር።
መንግስቲ ፊሊፒንስ'ውን ጓል 29 ዓመት ዜግኡ ምስተቐተለት፡ ዜጋታቱ ናብ ኩዌት ከይዋፈራ ሕጊ ኣውፂኡ እዩ።
ኣብ ሚንስቴር ማሕበራዊ ጉዳይ ዳይሬክተር ምውፋር ሰራሕተኛታት ናብ ደገ ኣቶ ብርሃኑ ኣበራ፡ ድልየት ኩዌት ብዝምልከት ገና ዝረኣይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምስ ዝርከቡላን ንመብዛሕቲኦም ዝሰጎገትን ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ተገይሩ'ዩ።
ኣቶ ብርሃኑ፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ሰራሕተኛታት ናይ ምልኣኽ ስምምዕ'ኳ እንተተወደአ ብወገን ኢትዮጵያ ግን ዝተርፍ ነገር ከምዘሎ ሓቢሮም።
ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ከምዝተደናጎየን ናብ ተግባር ንምስግጋር ድማ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክፀድቕ ከምዘለዎን ተዛሪቦም።
"እቲ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ቀሪቡ'ሎ እንተፀዲቑ ተግባራዊ ክኸውን'ዩ" ኢሎም።
ቅድሚ ሕዚ ምስ ኩዌት ዝተገበረ ስምምዕ ግን ምምሕያሻት ከምዘድልዮ ገሊፆም።
ብኣውርኡ ምስታ ሃገር "ክልተኣዊ ድርድር የድልይ'ዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 15 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩዌት ከምዝርከቡ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







