ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ከይውሃብ ብዛዕባ ዝኸልከለቶ ገንዘብ ተዘራሪቡ

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍጹም ኣረጋ፡ ኣሜሪካ ቅድም ኢላ ንኢትዮጵያ ክውሃብ ወሲናቶ ዝነበረት ገንዘብ ንኢትዮጵያ ከይውሃብ ምባል ‘ንግዙኡ’ዩ’ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብ ናይ ውልቂ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ክውሃብ ተሓሲቡ ዘነበረ ገንዘብ ደው ምባሉ ኣመልኪቱ ምስ ዝምለከቶም ሰብ መዚ ኣሜሪካ ከምዝተዘራረበ ብምሕባር፡ እቲ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ኢሉ ምህላዉ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮእያ ክትህባ መዲባቶ ዝነበረት 130 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከይውሃብ ድሕሪ ምውሳና፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኣሜሪካ መብርሂ ከምዝሓተተን ‘እቲ ሓገዝ ንግዚኡ’ዩ ደው ኢሉ’ ዝብል መልሲ ከምዝተውሃቦን እዩ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ሓሲባ ዘነበረት ገንዘብ ደው ከምዘበለቶ ‘ፎረይን ፖሊሲ’ ዝተሰመየት መጽሄት እያ መጀመርታ ኣቃሊሓ።
እታ መጽሄት፡ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ረኺበ ብምባል፡ ኣሜሪካ እቲ ንኢትዮጵያ ክትሕግዘሉ መዲባቶ ዝነበረት 130 ሚልዮን ዶላር ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ዝገልጽ ኣብ ጽሑፋታ ኣስፊራ።
እታ መጽሄት ብምስዓብ፡ ኣሜሪካ ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክትበጽሕ ዘገደዳ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ትሰርሖ ዘላ ግድብ ዓቢ ህዳሰ ዝተሓሓዝ ምኳኑ እያ ትገልጽ።
ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ነቲ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ሓሲባ ስነበረት 130 ሚልዮን ዶላር ደው ኣቢላቶ ዝብል ዘረባ ከምዝሰመዐን “እቲ ጉዳይ ምስቲ ብጻዕሪ ህዝብና ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ህዳሰን ብዛዕብኡ ዝግበር ዘሎ ዝርርብን ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ሰሚዕና” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ።
እቲ ኣምባሳደር ብዛዕባ እዚ ዛዕባ ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኣሜሪካ ተዘራሪቡ፡ “ብመሰረት ቆጸራና ተራኺብና ንሕቶና ድማ መብርሂ ተዋሂብና ኣሎ፡ እቲ መልሲ ድማ ንግዚኡ ደው ክብል [Temporary Pause] ከምዝተገበረ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ድማ ኢሉ።
ኣሜሪካ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ሱዳን፤ግብጽን ኢትዩጵያን ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝግብር ዝነበረ ዘተ ኣዛታይት ኮይና ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝመጽአ ናይ መሰማምዒ ሓሳባት ከምዘይፈረመትሉን ተገሊጹ ነይሩ እዩ።
ኣብ መንጎ እዘን ሰለስተ ሃገራት ስምምዕ ንክግበር ጸቅጢ ትገብር ኣላ እናተባሃለት እትግለጽ ኣሜሪካ፡ ንኢትዮጵያ ክትህባ ወጢናቶ ዝነበረት 130 ሚልዮን ዶላር ደው ክብል ምግባራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽቅጢ ንምፍጣር ዝተወጠነ’ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ሰባት ኣይተሳኣኑን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







