ንጉስ ስዑድ ዓረብ ንሰብ መዚ ሰራዊት ምክልኻል ሰጊጉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንክልተ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰብመዚ ስዑድዓረብ ካብ መዝነቶም ተሰጊጎም።
ብስዑዲ ዓረብ እናተመርሐ ኣብ የመን ኣብ ዝንቀሰቐስ ስሉሳዊ ሓይሊ ኮማንደር ዝነበረ ልኡል ፉኣድ ቢን ተርኪን'ውን ካብ ሞንጎ ዝተሰጎጉ እዮም።
ምክትል ገዛኢ ሃገር ዝነበረ ወዱ ዓብዱልዓዚዝ ቢን ፉኣድ እውን ካብ መዝነቱ ተላዒሉ'ዩ።
እዚኦምን ካልኦት ኣርባዕተ ሰብመዚ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዘካየድዎ "ኣጠራጣሪ ዝውውር ገንዘብ" ከምዝፃረይ ድማ ተገሊፁ።
ወራሲ ዘውዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ብልሽውና ንምምሓው ኣብ ወፍሪ እዩ ዝርከብ።
ስጉምቲ ቢን ሳልማን ዘይተውሓጠሎም ግና፡ ንስልጣኑ ብድሆ ክኾንዎ ንዝኽእሉ ይሰጉግ ከምዘሎ እዮም ዝገልፁ።
ምንኣስ ሓው እቲ ንጉስ ዝኾነ ኣሕመድ ቢን ዓብደልዓዚዝን ቅድም ክብል ወራሲ ዘውዲ ዝነበረ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳት ነበር ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍን ዝርከብዎም ሰለስተ ላዕለዎት ንጉሳዊ ቤተሰብ ከምዝተኣሰሩ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ምፅብፃቡ ይዝከር።
ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እውን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እዚ ንጉሳዊ ቤተሰብ፣ ሚኒስትራትን ነጋዶን ኣብ ሆቴል ሪትዝ ካርልተን ተኣሲሮም ነይሮም።
ደሓር ግና ንስዑድ ዓረብ 106.7 ቢልዮን ዳላር ክኸፍሉ ተሰማሚዖም ክፍትሑ ክኢሎም እዮም።
ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ዝመፅአ ወዲ 35 ዓመት መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብታ ሃገር ወሳኒ ቁጠባዊ ለውጢ ከምፅእ ቃል ብምእታው ናእዳ ረኺቡ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑድዓረብ ዘጋጠመ መቕተልቲ ስሙይ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ካናዳ ሰላሊ ስዑድ ዓረብ ናይ ዝነበረ ቅትለትን ይሕመ።
ካብዚ ብተወሳኺ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ የመን ምስ ዘሎ ዘይዛሪ ቅልውላው ይንቀፍ።
ዋላ'ኳ ደቂኣንስትዮ ስዑድዓረብ መኪና ከይዝውራ ዝኽልክል ሕጊ እንተኣለየ፡ ተሓለቕቲ መሰል ንዝኾና ብምግፋዕ እውን ይንቀፍ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







