ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ተቓውሞ ገጢሙዎ?

ዶ/ር መረራ ጉዲና

ምንጪ ስእሊ, BBC

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝበጽሐ በደል ምሕባእ ኣየድልን ይብል ሙሁር ፖለቲካን ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ምፍጣር ዘተኮረ ሓደ መጽናዕታዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ነይሩ።

ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ኣብዚ መድረኽ ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣካታዕን ካልእ ዘይምቅድዳው ዝፈጥርን እዩ ብምባል ገለ ፖለቲከኛታትን ሚዲያታትን ክቃወሙዎ ቐንዮም።

እዚ፡ "ታሪኽ ኢትዮጵያን፤ ብሄራዊ ዕርቂ ብኸመይ ይመጽእን?" ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ፖለቲከኛ ዘቕረቦ ሓሳብ እዩ ነይሩ።

"እቲ ጽሑፍ መሓውር እታ ሃገርን ማዕርነታዊ ስርዓት ንምህናጽን ዝተገብሩ ፈተነታት ብኸመይ ኣንፈቶም ስሒቶም ዝብል ንምርዳእ ካብ ዘመነ ሚኒሊክ ጀሚሩ ዘሎ ጊዜ'የ ኣልዒለ" ይብል ፕሮፌሰር መረራ።

ብፍላይ ስርዓት ሚኒሊክ 'ከመይ ተወዲቡ፣ ውጽኢቱ እንታይ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኦሮሞን ደቡብን ዘብጽሖ በደል' ዝምልከት ሓሳባት ከም ዘልዓለ ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብዚ ወጻኢ "ድሕሪ ስርዓት ሚኒሊክ ልጅ እያሱ ህንጸት እታ ሃገር ብኸመይ ከቐጽሎ ፈቲኑ፣ ስርዓት ሃይለስላሰ፣ ደርግን ብቐዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስትን ከምኡ'ውን እቲ ሕጂ ካብ ኢድና ዝሃድም ዘሎ ዕድል ኣልዒለ'የ" ይብል።

ስለምንታይ ድኣ ተቓውሞ ኣልዒሉ?

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ሚኒሊክ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኦሮሞን ካልኦትን ዘብጽሖ በደል ምስ ኣልዓልኩ'ዩ ተቓውሞ ገጢሙኒ ይብል ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና።

"ስለምንታይ ብዛዕባ ሚኒሊክ ሕማቕ ነገር ትዛረብ? ዝብሉ ነይሮም። እዚ ሓሳብ ሓድነትና ዘፍርስ እምበር ንቕድሚት ዝወስደና ኣይኮነን ድማ ይብሉ ነይሮም" ኢሉ።

ብኣንጻሩ ነቲ ዘልዓሎ ሓሳብ ደጊፎም ኣብ ዙርያ ሓቂ ተዘራሪብና ጸገማት እታ ሃገር ክንፈትሕ ኣለና ዝበሉ ከም ዝነበሩ ጠቒሱ።

ኣብ ዙርያ ህንጸት ሃገር ዝነበሩ ጸገማት ከይለዓል ዝደልዩ ኣካላት እቲ ድልየቶም ካብ ክልተ ጸገማት ዝብገስ'ዩ ይብል እቲ ሙሁር።

"እቲ ሓደ ታሪኽ እዛ ሃገር ብትኽክል ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ህንጸት እታ ሃገር ዝነበሩ ጸገማት እንተፈለጡ'ውን ክለዓል ዘይምድላይ'ዩ" ኢሉ።

ከምቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ክልተ ዝተፈላለዩ ድልየታት ዘለው [ናይ ቡዳ ፖለቲካ ኢሉ ዝጽውዖ] እዮም ዘለውዋ።

ነዚ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ "እቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕልሚ ዝተመስረተ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ኮይኑ፤ ካልኦት ድማ ንኢትዮጵያ ከፍርሱልና'ዮም ኢሎም ይጉስጉሱ። እዚ ንጹህ ፍቕሪ ኣይኮነን። ነቶም ሃገር ከፍርሱ'ዮም ዝተባህሉ'ውን ሽም ተዋሂቡዎም'ዩ" ይብል።

ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ጠቐነን ንህንጸት ሃገር ሓደገኛ'ዩ ዝብል ፕሮፌሰር መረራ፡ "ደርጊ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ኣማን ዓምዶም ብምቕታሉ ሻዕቢያ ፈጢሩ፤ ሃይለስላሴ ድማ በዓል ጀነራል ታደሰ ኣሲሩ ምሉእ ዕድሚኡ ከሳቕዮም እንከሎ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ተወሊዱ። ስለዚ ነቲ ሓደ ምግላል ካልእ ኒሕ ክውለድ ዝገብር እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን'የ ኢለ" ኢሉ።

ካልእ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ ዘካትዕ ዝነበረ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተተኸለ ብዛዕባ ታሪኽ ምቑራጽ ኢድን ጡብን ስርዓት ሚኒሊክ ዘዘንቱ ሓወልቲ ኣኖሌ ኮይኑ፡ ፕሮፌሰር መረራ እዚ ሚኒሊክ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝፈጸሞ በደል መረጋገጺ'ዩ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ዘቕረበሉ ነይሩ።

"ኣኖሌ ናይ ሓሶት ታሪኽ'ዩ ዝብሉ ነይሮም" ዝበለ ፕሮፌሰር መረራ፡ ይኹን'ምበር ነዚ ክፈልጥ ዝደሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ 160 ኪሎ ሜትሮ ርሕቕ ኢላ ናብ እትርከብ ኣኖሌ ብምኻድ እቲ ሓቂ ካብቲ ሕብረተሰብ ክሰምዖን ክፈልጦን ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ኣብዛ ሃገር ዘለው ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝተፈጸመ በደል ምዕባስ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን ብማለት ድማ ይካታዕ።

"ሚኒሊክ ጅግና'ዩ ዝብሉ ኣለው፤ ብኣንጻሩ ድማ ጨቋኒ'ዩ ዝብሉ ኣለው። ክልቲኦም ድማ ዜጋታት እዛ ሃገር እዮም። ስለዚ ክልቲኡ ሓሳብ ብምቕባል እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ምዝርራብ እምበር ታሪክ ክክሓድን ክዕበስን የብሉን"።

ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ናይዛ ሃገር ዓብዪ ጸገም ዝብሎ 'ንኢትዮጵያ ኣነ'የ ዝፈትዋ' ዝብል ኣተሓሳስባ ምዃኑን እዚ ነታ ሃገር ዘፍርስ ጸገም ከም ዝኾነን ይኣምን።

ብተወሳኺ እቲ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንግስቲ ብማእሰርቲ ዜጋታት ነቶም ዘለው ጸገማት ክፈትሕ ከም ዘይኽእል ብምጥቃስ፡ "ሕጂ መንግስቲ ኣጻብዕቱ ናብ ተቓወምቲ፤ ተቓወምቲ ድማ ናብ መንግስቲ እዩ ዘሎ። ግን ድማ ካብዚ ወጺእና ነናይ ባዕልና ጥፍኣት ኣሚንና ብሓባር ናብ ምስራሕ ክንመጽእ ኣለና" ኢሉ።

ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና መን'ዩ?

ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ፕሮፌሰር መረራ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ አምቦ እንከሎ'ዩ ጀሚሩ።

ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ አዲስ አበባ እናሃለወ'ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ዝተወደበ ተቓውሞ ተሳትፎ ዝነበሮን ጸኒሑ ኣባል መኢሶን ዝኾነን'ዩ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ፖሎቲካል ሳይንስ ኮይኑ ኣንጻር ወታደራዊ ስርዓት ደርጊ ጎስጓሳት የካይዱ ስለ ዝነበረ በዚ ምኽንያት ደርጊ ንሸውዓተ ዓመታት ብዘይ ክስን ብይንን ኣሲሩዎ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ድማ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ አመሪካ ንትምህርቶም ከይዱ።

ፕሮፌሰር መረራ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዝተብሃለ ውድብ መስሪቱ ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ።

እቲ ውድብ ህዝቢ ኦሮም መሰል ዓርሰ-ውሳነ ከረጋግፅን ቋንቋ ኦሮምኛ ምስ ኣምሓርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውንን ዝቃለስ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሕፁይ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክወዳደር እንከሎ፤ መካትዒን ብዝተፈላለዩ ተጓንፎታቱ ዝዝከርን መረፃ 1997 ኣብ ከባቢ ትውልዲ ዓዱ ተወዳዲሩ ብምስዓር ንሓሙሽተ ዓመታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ሰሪሑ።

ፕሮፌሰር መረራ ብፖለቲካል ሳይንስን ብኣመራርሓ ተቓዋሚ ሰልፍን ብዝረኸቦ ዓᎁቕ ልምድን ተሞክሮን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፀሑፋት ከቕርብ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዕድመ ይቐርበሉ እዩ።

ካብዚ ሓደ ፓርላማ ኣውሮጰዓ ዝገበረሉ ዕድመ ይጥቀስ። ብ2016 ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝተኻየደ አኼባ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮጰዓ ተሳቲፉ ምስተመልሰ ግን ብገበን ግብረ ሽበራ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ።

ንሓደ ዓመት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጸኒሑ። ኣብ 2018 ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።