ማርኮን ላውራን ዝተብሃሉ ህቦብላታት 12 ሰባት ቀቲሎም

ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ሰባት ንእንስሳታት ካብ ውሕጅ እናውጽኡ ነሓሰ 23, 2020.

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ማርኮን ዝተሰመየ ህቦብላን ላውራ ዝተብሃለት ማዕበል ንፋስን፡ ኣብ ሃገራት ካሪብያን 12 ሰባት ቀቲሎም፡፡

በቶም ሓያል ንፋስን ማዕበል ባሕርን ዘልዓሉ ህቦብላታት፡ ኣብ ሃይቲ ትሸዓተ ሰባት እንትሞቱ ኣብ ዶሚኒካን ሪፐብሊክ ድማ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም፡፡

ኩባን ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ፖርቶ ሪኮን ድማ ብሓያል ዝናብ ተወቒዐን ኣለዋ፡፡

ህቦብላ ማርኮ ሎሚ ሰኑይ፡ ግዝኣት ኣመሪካ ኣብዝኾነት ሉዊዝያና ክበጽሕ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበር እንትኾን፡ ላውራ ድማ ዝመጽእ ሓሙስ ንግዝኣት ቴክሳስ ከምትወቅዕ ይግመት፡፡

ብተወሳኺ ጽባሕ ሰሉስ፡ ማዕበል ላውራ ናብ ህቦብላ ክትሕይል ከምእትኽእል ማእከል ሆቦብላ ኣመሪካ ገሊጹ፡፡

ማርኮ ኣብ ሰዓት 120 ኪ.ሜ እናነፈሰ፡ ብመንጎ ኩባን ሜክሲካዊት ደሴት ዩካታን ይጓዓዝ ኣሎ፤ ላውራ ብወገና ናብ ራብዓይቲ ዓባይ ከተማ ኣመሪካ ዝኾነት ህዩስተን ገጻ ትጓዓዝ ከምዘላ ይግመት፡፡