ነትጒ ቤይሩት፡ ኣሞንየም ናይትሬት እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ኣብ ወደብ ቤይሩት ሰንከልከል ካብ ዝበለት መርከብ ዝተወስደ ኣስታት 3 ሽሕ ቶን ኣሞንየም ናይትሬት ኣብቲ ወደብ ኣብ ዝርከብ መኽዝን ተቐሚጡ።
ኣብዚ ሰሙን ግን፡ ምኽንያቱ ዘይተፈልጠ ከተማ ሙሉእ ዘናወጸ ነትጒ ኣጋጢሙ።
ንምዃኑ ኣሞንየም ናይትሬት እንታይ እዩ? ስለምንታይ ሓደገኛ ኮይኑ?

ኣሞንየም ናይትሬት፡ ንዓበይቲ ኢንዳስትሪታት ተባሂሉ ዝፈሪ ብቐንዱ ምንጪ ኒትሮጅን ድኹዒ ኮይኑ፡ መዓድን ንምውጻእ ዝሕግዝ ነታጒ ንምፍራይ እውን ይውዕል።
"ኣሞንየም ናይትሬት፡ ኣሞኒያን ኒትሪክ ኣሲድን ተወሃሂዶም ዝፈጥሩዎ ኬሚካላዊ ባእታ እምበር ስቕ ኢልካ ኣብ ውሽጢ መሬት እትረኽቦ ኣይኮነን" ይብል ፕሮፌሰር ኬሚስትሪ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ኣንድራ ሴላ።
ኣሞንየም ናይትሬት ኣብ መላእ ዓለም ክስራሕ ዝኽእልን ሕሱርን ኬሚካላዊ ባእታ እዩ።
ግን ድማ ከቢድ ጸገም ዘምጽእ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ኢንዳስትሪ ምስ ዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ዝተኣሳሰር ኣዕናዊ ባእታ እዩ።
ፕሮፌሰር ሴላ፡ ኣሞኒየም ኒትሬት ንብሕቱ ንክተመሓድሮ ቀሊል እዩ ይብል።
እንተኾነ ንነዊሕ እዋን ዝቕመጥ ዝለዓለ መጠን እዚ ኬሚካል ክቑንቑን ይጅምር።
"ቀንዲ ጸገም እዚ ኬሚካል ድሕቲ ግዜ ቁሩብ ጠሊ እናፈጠረ ጸኒሑ ናብ እኩብ ከውሒ ዝቕየር ምዃኑ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ዝፍጠር ከውሒ ሓዊ እንትረኽቦ ጽዑቕ ኬሚካላዊ ምብልዕላዕ ይፈጥር።
ኣብ በይሩት ድሕሪ ዘጋጠመ ነትጒ ኣሞኒየም ኒትሬት፡ ካብቲ ነትጒ ዝወጽእ ትኪ ቃንጥሻ ዕምብሮ እዩ ፈጢሩ።
"ልዑል ድምጺ ዘውጽእ ናብ ኣየር ዝጉዓዝ ነድሪ እንተጋጥም፡ ኣብቲ ጻዕዳ ደመና እናሰፍሐ ዝኸይድ ኣብ ውሽጢ ኣየር ዝጉዓዝ ዕምብሮ ይፍጠር" ኢሉ ፕሮፌሰር ሴላ።
እቲ ሞገደ ነድሪ ካብ ዝተዓሞቐ ኣየር ከም ዝፍጠር ዘብርህ እቲ ፕሮፌሰር፡ "እቲ ኣየር ቐልጢፉ ይስፋሕፋሕ እሞ ሃንደበት ይዝሕል፤ ድሕሪኡ ደመና ዝፈጥር ማይ የዋህልል" ኢሉ።
ኣሞንየም ናይትሬት እንትቃጸል፡ ኒትሮጂን ኦክሳይድን ኣሞኒያ ጋዝን ዝርከቡዎም መርዛም ጋዛት እዩ ዘውጽእ።
"ብዙሕ ንፋስ እንተዘይሃሊዩ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሰባት ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቦንባ ንምስራሕ ይውዕል'ዶ?
እዚ ኬሚካላዊ ባእታ ሓያል ነትጒ ናይ ምፍጣር ባህሪ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ወተሃደራት ከም ነታጒ ተጠቒሞምሉ'ዮም።
ኣብ ብርክት ዝበሉ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕታት ከም ዝወዓለ'ውን ይእመን።
ብ1995 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ከተማ ኦክላሆማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ከም ኣብነት ይለዓል።
ኣብቲ እዋን፡ ቲሞቲ ማክቬይ እቲ ህንጻታት ብምዕናው 168 ሰባት ዝቐተለ ቦንባ ንምስራሕ ክልተ ቶን ኣሞኒየም ኒትሬት ተጠቒሙ እዩ።
ብ1921 ድማ ኣስታት 4500 ቶን ኣሞንየም ናይትሬት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ጀርመን ተፈንጂሩ ምኽንያት ሞት ልዕሊ 500 ሰባት ኮይኑ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብ1947 ኣብ ቴክሳስ ዘጋጠመ ክፉእ ኢንዳስትሪያላዊ ሓደጋ እውን ኣይዝንጋዕን። ኣብቲ እዋን ልዕሊ 2 ሽሕ ቶን ኬሚካል ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ጋልቬስቶን በይ ተባሪዓ።
ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ሰሜን ቫይና ወደብ ቲንጂን ኣሞንየም ናይትሬት ምስ ካልእ ኬሚካል ተሓዊሱ ብዘጋጠመ ነትጒ 173 ሰባት ሞይቶም፤ እዚ ብ2015 ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







