ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ልዕሊ 100 ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም

ካብ ገዛ ኣይትውጽኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ12 መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ብዝተኻየደ መርመራ ኮሮናቫይረስ፡ በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ልዕሊ 100 ሰባት ተረኺቦም።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ እቲ ክልል ሲዳማ ዶክተር ማቴ መንገሻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቫይረስ ብፍላይ ኣብ ክልተ ሼዳት እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ተዘርጊሑ ኣሎ ኢሉ።

ቅድሚ 12 መዓልቲ ኣብቲ ፓርክ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ክሕከም ዝመጽአ ሰራሕተኛ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተርኣዮ ዝሕበር ዶክተር ማቴ፡ ኣሰር ምስቲ ሰራሕተኛን ካልኦት ካብ ወጻኢ ዓዲ ዝመጽኡ ሰራሕተኛታትን ርክብ ዝነበሮም ሰባት ብምርካብ ብዝተገብረ መርመራ፡ ልዕሊ 100 ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ፡ ዝለዓለ ምትንኻፍ ናይዞም ሰባት ነይሩዎ ኣብ ዝተባህለ ኣስታት 800 ሰባት ዘለዉዎ ሼድ [መስርሒ ቦታ] ናይ ኩሎም ሰራሕተኛታት ቅምሶ ንምውሳድ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቶም ሕጂ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎም ዘሎ ሰባት ድማ፡ ዜጋታት ወጻኢ፣ ኣብ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ምስኦም ርክብ ዘለዎም ኦፕሬተራትን ከም ዝኾኑ ዶክተር ማቴ ይዛረብ።

"ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ዘሎ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ተቖጻጻርናዮ ኢና ምባል ይኸብድ እዩ" ዝብል ዶ/ር ማቴ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰራሕተኛታት ናብ መወሸቢ ማእከል ብምውሳድ ኣሰር ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባት ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊጹ፡፡

ይኹን'ምበር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት፡ እቲ ለብዒ ብበዝሒ ዝተርኣየሉ ሼድ ብምዕጻው እቶም ሰራሕተኛታት ንባዕም ፈልዮም ንክጸንሑ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተዛሪቡ፡፡

ዛጊድ ኣብ ክልል ሲዳማ 452 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተትሓዙን ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱን ዝገልጽ ዳይረከተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ እቲ ክልል ዶክተር ማቴ መንገሻ፡ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እቶም 13 ሰብሞያ ጥዕና እዮም ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገብረ መርመራ 584 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክርከብ እንከሎ፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 24 ሽሕን 175 በጺሑ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከም ዘመላኽቶ 20 ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም፤ ብሓፈሻ ክሳብ ሕጂ 440 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ይብል።

ካልኦት 190 ሰባት ኣብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ከም ዘለው ዝገልጽ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕናን እታ ሃገር፡ 285 ሰባት ከም ዝሓወዩ ይጠቅስ።

እዚ ድማ ጠቕላላ ብዝሒ ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ሰባት 10 ሽሕን 696 በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ መርመራ 520 ሽሕን 891 ቅምሶታት ከም ዝተገብረ ይግለጽ።

ኮሮና