ሓደጋ ነፋሪት፡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለት ነፋሪት ህንዲ ብውሕዱ 18 ቀቲላ

ነፋሪት ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ህንዲ ሓንቲ ነፋሪት ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 18 ሰባት ሞይቶም።

እታ ካብ ዱባይ ናብ ክፍለሃገር ኬራላ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ካሊካት ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን፡ ሸተት ኢላ ካብ ማዕልቦኣ ከም ዝወጸት ሰብመዚ ኣቬሽን ሓቢሮም።

እታ ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ነፋተት፡ መንገዲ ኣየር ህንዲ፡ ኣብ ዱባይ ሓዲግ ዝተረፉ ህንዳውያን ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ፡ “ብሓደጋ ናይታ ነፋሪት” ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ኣባል ፓርላማ ካብ ካሊካት ዝኾነ ኤም-ከይ ራግሃቫን፡ ኣብቲ ሓደጋ 18 ሰባት ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም’ ብውሕዱ 89 ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ኣትዮም ኣለዉ። ኣምቡላንሳት ከኣ ምምጻእ ኣየቋረጻን” ክብል ሓደ ሱጂህ ዳስ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።

ነፋሪት ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እቲ መንገዲ ኣየር ከምዝገለጾ፡ እታ ነፋሪት 10 ቆልዑ ዝርከብዎም 184 ተጓዓዝቲን 7 ኣባላትን ሒዛ ነይራ።

እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ ዝነበረት እዋን፡ ከቢድ ዝናብ ዝተሓወሶ ህቦብላ ሞንሱን ከም ዝነበረ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት መርመራ ሓደጋ ኣየር ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ወግዓዊ ምጽራይ ከካይድ ምዃኑ ሚኒስተር ሲቪል ኣቭየሽን ሃርዲፕ ሲንግ ፑሪ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ኣቐዲማ ክልተ ግዜ ክትዓልብ ፈቲና ምንባራን፡ ንሓያሎ ግዜ ኣብ ዙርያ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዘወር ከምዝተራእየትን ማዕከናት ዜና ህንዲ ኣቃሊሐን።

ኣብቲ ክፍለሃገር ዝሃርም ዘሎ ህቦብላ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ፡ ሂወት ብዙሓት ቀቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዩ ዝፍራህ ዘሎ።