ሓደጋ ዘንጸላለዋ ነፋሪት፡ ነዳዲኣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ሎስኣንጀለስ ክዕያቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብህጹጽ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ክትዓልብ ዝተገደደት ነፋሪት መጓዓዝያ፡ ነዳዲኣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕያቶ።
ዝበዝሑ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕድ 60 ሰባት ድማ ብዘጋጠሞም ምቑሳል ቆርበትን ጸገም ምስትንፋስን ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ከምዝተገበረ ተፈሊጡ።
ብህጹጽ ክትዓልብ ዝተገደደት ነፋሪት ነዳዲኣ ክትኽዕው (ክተፍስሶ) ትኽእል'ኳ እንተኾነት፡ እዚ ክትገብር ግን ኣብ ዝተመረጹ ቦታታትን ኣብ ዝለዓለ ብራኸ ክትኸውን ከምዘለዋን ሕጊ ኣቪየሽን የመልክት።
ነፋሪት መገዲ ኣየር ደልታ ኣብ ሞተረ ብዘጋጠማ ጸገም'ያ ናብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ክትምለስ ተገዲዳ።
በቲ ዝተደፍአ ነዳዲ ጉድኣት ዝበጽሖም ህጻናትን ዓበይትን ኣብ ሽድሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ እዮም። ዝበጽሖም መጉዳእቲ ቀሊል ከምዝኾነ'ውን ተገሊጹ'ሎ።
ከንቲባ ናይታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሎስኣንጀለስ እትርከብ ከተማ ኩዳሂይ ኤልዛቤት ኣልካንትራ "ብጣዕሚ'የ ሰንቢደ። እዚ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዩ፤ ኩሎም ድማ ህጻናት እዮም" ኢላ።
እታ ነፋሪቱ ክብደት ንምንካይ ነቲ ነዳዲ ከምዝኸዓወት፡ መገዲ ኣየር ደልታ፡ ኣረጋጊጹ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







