ፈረንሳ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ዝልዓለ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፈረንሳ፡ ትማሊ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ዝልዓለ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ።
እቲ ትማሊ ዘወጽአ ሓበሬታ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 1,695 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ዘርኢ’ዩ።
ሃገረ ፈረንሳ ልዕሊ 30,000 ሞት ብምምዝጋብ ኣብ ኣውሮጳ ንዓባይ ብርጣንያን ዓዲ ጣልያን ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ፈረንሳዊት ከተማ ታውሎስ ሰብ ብጻዕቂ ኣብ ዝነብሮ ከባቢታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ዘገድድ ሕጊ ኣታኣታትያ ኣላ።
ነዚ ሕጊ እዚ ፓሪስ ትርከበን ካልኦት ከተማታት ክስዕበኦ ድማ ትጽቢት ይግበር።
እታ ሃገር ነቲ ትኽተሎ ዝነበረት ኣዋጃት ከተፍኩስ ምስ ጀመረት ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ናይ መጀመርታ ሃገር ኣይኮነትን።
ብሮቡዕ ስጳኛ’ውን እቲ ትኽተሎ ዝነበረት ኣዋጃት ምስ ኣፍኮሰት ኣብ ሓደ መዓልቲ 1,772 ሓዲሽ መልከፍቲ ብምምዝጋባ ድሕሪ ወርሒ ሰነ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ሃገረ ስዊዘርላንድ ካብ ስጳኛ ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ሰባት ክውሸቡ ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትያ።
ግሪኽ’ውን ድሕሪ ሓያሎ ሳምንታት ኣብ ሓደ መዓልቲ 124 ሓዲሽ መልከፍቲ ብምምዝጋባ ቀዳማይ ሚኒሰተር እታ ሃገር ካይርያኮስ ሚትሶታኪስ ሰብ ምዝናይ ከወግድ ምዒዱ።
ኣብ ካልእ ሸነኻት ዓለምከ ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ከመይ ይመስል?
ሚኒሰትሪ ጥዕና ኣፍጋኒስታን፡ ኣብታ ሃገር ዝገበሮ ግምራዊ ዳህሳስ ኣስታት ሓደ መሰለስ ወይ ከባቢ 10 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ብሓገዝ ውድብ ጥዕናን ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስን ኣብ 9500 ሰባት ብዝተገበረ መርምራ እዩ ነዚ ውጽኢት እዚ ከርኢ ክኢሉ።
ሚኒሰትር ጥዕና ኣፍጋኒስታን ኣሕመድ ጃዋድ ኦስማኒ ዝበዝሑ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኣብ ከተማ ዝነብሩ ምዃኖምን ከተማ ካቡል ድማ ዝያዳ ዝተሃሰየት ምዃና ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ካብዞም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ድማ ዝኾነ ምልክት ዘየርእዩ እዮም ኢሉ።
ኣፍጋኒስታን ክሳብ ሕጂ 36,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፍዋ ከተረጋግጽ እንከላ ሞት 1200 ድማ ኣመዝጊባ።
እንተኾነ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ኵናት ትሕተ ቅርጺ ሕክምና እታ ሃገር ትሑት ብምዃኑ ውሑድ ሰብ እዩ ተመርሚሩ።
ኣብ ብራዚል’ውን ሓደ ፍሉጥ መራሒ ደቀ’ባት ብኮቪድ-19 ሞይቱ ኣሎ።
እዚ ላዕለዋይ መራሒ ዓሌት ኣሪታና ዝኾነ ኢዋሊፓታ ዝብሃል ፍሉጥ ሰብ ኣብ ኣማዞን ዝርከቡ ደቀ’ባት መሰሎም ክሕሎ’ዩ ክቃለስ ጸኒሑ።
ኢዋሊፖታ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ምስ ተረጋገጸ ኣብ ሕክምና ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት’ዩ ክእለ ጸኒሑ።
ኣብ ኣማዞን ዝርከቡ ደቀባት ብራዚል በዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ከምዝተሃስዩ’ዩ ዝግለጽ።


ብራዚል ድሕሪ ኣሜሪካ ዝልዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና፡ ኣብታ ሃገር 2.8 ሚልዮን መልከፍትን ሞት 96,000 ሰባትን ተመዝጊቡ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







