ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ኦነግ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ መዓልታት፡ ኣቦወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዳውድ ኢብሳ ካብ መንበሪ ቤቱ ከይወጽእ ከምዝተኣገደ ዝገልጽ ዜና ምስተቓለሐ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ውድብ ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ ኸኣ፡ ገለ መራሕቲ ኦነግ ነዚ ኣኼባ ዘካይድዎ ዘለዉ "ንዳውድ ኢብሳ ካብ ስልጣን ንምእላይ እዩ" ዝብል ሓበሬታ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ ድማ፤ ኣመራርሓ ናይቲ ውድብ ኣብ ክልተ ከምዝተመቐለን፡ ዳውድ ኢብሳ ተኣልዩ ኣብ ክንድኡ ኣራርሶ ቢቂላ ከምዝተተከአን ብስፍሓት ክዝረብ ጀሚሩ።
ይኹን'ምበር፡ ንዳውድ ኢብሳ ተኪእዎ ዝተብሃለ ኣራርሶ ቢቂላ እዚ ሓበሬታ "ሓሶት እዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኦነግ ዝተኻየደ ኣኼባ ብኣፍልጦ ዳውድ ኢብሳ ዝተኻየደን፡ ሕዚ'ውን ኣቦወንበር ናይቲ ውድብ ዳውድ ኢብሳ ከምዝኾነን ይገልጽ።
ዛዕባ ናይቲ ኣኼባ ድማ "ህዝቢ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት እዩ ዘሎ? ውድብናኸ ኣብ ከመይ ዓይነት ደረጃ እዩ ዝርከብ? ብፍላይ ድማ ናብ ዓዲ ምስተመለስና እንታይ ረኺብና፡ እንታይከ ስኢንና? ንዝብል ኢና ገምጊምና" ኢሉ ኣይተ ኣራርሶ ።
ብተወሳኺ'ውን፡ ኣብ'ዚ እዋን ብዙሓት ኣባላት ናይቲ ውድብ ምእሳሮም ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተዘተየሉ ተዛሪቡ።
"ዳውድ ፍሉይ ኩነታት ስለዘጋጠሞ እናተንቀሳቐሰ ዕለታዊ ተግባራቱ ክፍጽም ኣይከኣለን። ስለዝኾነ ኣብ'ዚ ኣኼባና ክርከብ ኣይከኣለን" ኢሉ፤ እንተኾነ ብዛዕባኡ ምስ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ተዘራሪቦምሉ ምንባሮምን ነቲ ኣኼባ ንምክያድ ፍቓዱ ከምዝሃቦምን ይዛረብ።
ኣብ'ዚ ኣኼባ ዝኾነ ሽመትን ካብ ስልጣን ምእላይን ከምዘይነበረ ድማ ይገልጽ።
ኣይተ ኣራርሶ ቢቂላ ዋላ'ኳ ከምኡ እንተበለ፤ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ኦነግ ገዳ ኦልጅራ (ዶ/ር) ግን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተፈለየ ሓሳብ እዩ ዘለዎ።
"እቲ ብኣራርሶ ብቂላ ዝተኻደ ኣኼባ ናይ'ቲ ውድብ ኣፍልጦ የብሉን" ብምባል፡ ኣቦ ወንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ'ውን ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ከምዘይፈልጥ፡ ኣይተ ገዳ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ፡ ናብ ዳውድ ከምዝደወለን፡ እቲ ኣቦ ወንበር ብዛዕባ'ቲ ኣኼባ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ከምዝነገሮን እዩ ዝዛረብ።
ሓላፊ ቤትጽሕፈት ኦነግ ገዳ ኦልጅራ (ዶ/ር)፡ ነቶም ኣኼባ ከካይዱ ናብ ቤት ጽሕፈት ዝመጹ ሰባት 'ናይ ኣቦወንበር ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣኼባ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን' ኢሉ ከምዝኸልከሎም ይዛረብ።
"ምስተኸልከሉ ዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ ሒዞም መጺኦም፡ ብሓይሊ ኣትዮም እዮም ኣኼባ ገይሮም። እቲ ኣኼባ ሕጋዊ ኣይነበረን" ኢሉ።
ኣብ'ዚ ጉዳይ ውልቀ ሰባት ካብ ዝሃብዎ ርእይቶ ወጻኢ፡ እቲ ውድብ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ኣቦወንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ፡ መንበሪ ቤቱ ብዕጡቓት መንግስቲ ተኸቢቡ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ስለዝተገበረ፡ ከምኡ'ድማ ርክብ ቴሌፎን ስለዘይብሉ፡ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ብንጹር ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







