ኣሜርካ ብ'ኦንላይን' ንዝመሃሩ ዘለው ወጻእተኛታት ተማሃሮ ቪዛ ከም ዘይተሕድስ ሓቢራ

ተማሃራይ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካብ መስከረም ንደሓር፡ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ብኦንላይን ዝከታተሉ ዘለው ወጻእተኛታት ተማሃሮ፡ ብኣካል ኣብ ክፍሊ ዝዋሃብ ኮርስ እንተዘይብሎም፡ ኣብ ኣሜሪካ ክጸንሑ ከም ዘይፍቀደሎም ተገሊጹ።

ነዚ መምርሒ ዘየኽበሩ ሰባት፡ ካብታ ሃገር ክስጎጉ ከም ዝኽእሉ ድማ፡ ኤጀንሲ ኢሚግረሽንን ግምሩኽን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ብዙሓት ዩኒቨርስቲታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ ዝህብኦ ትምህርቲ ናብ 'ኦንላይን' ማለት ብኢንተርነት ዝወሃብ ኣገባብ ይቕይራ ኣለዋ።

በብዓመቱ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ወጻእተኛታት ተማሃሮ፡ ንትምህርቲ ናብ ኣሜሪካ ዝገሹ ኮይኖም፤ መብዛሕትኦም ምሉእ ክፍሊት ስለዝፍጽሙ፡ እዚ ነተን ዩኒቨርስቲታት ምንጪ ኣታዊ ምዃኑ ይግለጽ።

ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ፡ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ዓመተ ትምህርቲ፡ ኩሉ መኣድታት ትምህርቲ ብ 'ኦንላይን' ከም ዝወሃብ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም ኣካዳምያውን ሞያውን ማለት ኤፍ-1 ከምኡ'ውን ኤም-1 ቪዛ ንዘለዎም ዝምልከት እዩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ 2019፡ ልዕሊ 388 ሽሕ 'ኤፍ ቪዛ' ከምኡ እውን ልዕሊ 9500 'ኤም ቪዛ' ከም ዝሃበ ጸብጻባት የርእዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ንግዲ ኣሜሪካ፡ ወጻእተኛታት ተማሃሮ ኣብ 2018 ንኣሜሪካ 45 ቢልዮን ዶላር ምንጪ ኣታዊ ኮይኖም እዮም።