መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘጓነፈ ጎንጺ ክዝሕል ተላብዩ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉዳያት ሚኒስተር ወጻኢ ኣቢሉ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መገለጺ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘጓነፈ ጎንጺ ክዝሕልን፡ ነቲ ዘጋጠመ ብሓባር ኮይነን ከጻርየኦን ጸዊዑ።

ንስድራ ናይቶም ኣብቲ ጎንጺ ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ድማ፡ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ ኣሎ።

እንታይ ተፈጢሩ ነይሩ?

ብሓሙስ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ጎንጺ ከምዘጋጠመን ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአን ክግለጽ ቀንዩ እዩ። እቲ ዜና'ውን ቀዲሙ ካብ ወገን ሱዳን እዩ ወጺኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብዛዕባ እዚ ጎንጺ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን ጸኒሑ።

ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሱዳንን ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተደገፉ ምሊሻን ብዝተወለዐ ግጭት፡ ሓደ ሱዳናዊ መኰነን ከምዝተቐትለን ካልኦት ወተሃደራት ከምዝቖሰሉን እዩ ጸብጺቡ።

እቲ ግጭት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ከምዝነበረን፡ ምሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻታት ሱዳን ምስ ኣተው፡ ኣብቲ ቦታ ዓስኪሮም ምስ ዝነበሩ ሰራዊት ሱዳን ከምዝተራጸሙ እዩ ንኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብምጥቃስ ጽሒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ፍጻመ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ኣብ 28 ጉንበት ዘጋጠመ ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።

ሰራዊት ሱዳን ግን እቲ ጎንጺ ካብ ዕለት 26 ክሳብ 28 ጉንበት ዝቐጸለ ምንባሩ'ዮም ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ሚኒስትሪ እንታይ እዩ ኢሉ?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዘውጸኦ መግለጺ 'እቲ ብ 28 ጉንበት ኣብ ከባቢ ዶባት ኢትዮ ሱዳን ዘጓነፈ ክስተት' ከይጋደድን ከይሰፍሕን ስግኣቱ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ብወተሃደራዊ መስርሐን ኣቢለን ሓቢረን ፍታሕ ከናድያሉ እዩ ጸዊዑ። እቲ መግለጺ "ክልቲአን ፈተውቲ ሃገራት ናብ ዘየድሊ ቅርሕንቲ ከእቱ ዝኽእል ደፋኢ ምኽንያት የለን" ብምባል፡ እቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ ብከባብያዊ ምሕደራታተን ኣቢሉ ፍታሕ ክረክብን ክዝሕልን ድሌቱ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ እንታይን ከምዝኾነን እንታይ ጉድኣት ከምዝስዐበን ዘየብርህ እቲ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት በቲ ዝጸንሐ ቅርርብን ምሕዝነትን መንፈስ ጸገመን ክፈትሓ እምነቱ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ እንታይ እዩ?

ቅድሚ ቅሩብ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንወተሃደራታ ካብቲ ኣል-ፋሻጋ ዝበሃል ብወገን ሱዳን ዝርከብ ቦታ ክትስሕቦም፡ ሱዳን ጸዊዓ ነይራ።

ኣል-ፋሽጋ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ከምዝጸንሑ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብቴሌፎን ከምዝተዘራረቡ ብማዕከናት ዜና ሱዳን ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዶብ ንምሕንጻጽ፡ ሓበራዊ ጉጅለ ክቐውም ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ሓቢሩ ነይሩ።

ብ24 መጋቢት'ውን፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሓደ ወተሃደር ሱዳን ከምዝቐተሉን ካልኦት ሰለስተ ከምዝቖሰሉን፡ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኣል-ፋሽጋ ዝተባህለ ቦታ፡ ተደጋጋሚ ብረታዊ ግጭት ዕጡቓትን ሓረስቶትን ከጋጥም ምጽንሑ ይግለጽ።