ማይክሮሶፍት ንጋዜጠኛታቱ ሰጒጉ ብሮቦት ክትከኦም እዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ትካል ማይክሮሶፍት፡ ሓበሬታን ዜናን ዘቕርብ ኤምኤስኤን (MSN) ዝበሃል ዌብሳይት ኣለዎ። ኣብዚ ዌብሳይት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ ኣለዉ።
እዞም ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ዜና ካብ ዘቕርቡ ትካላት ዝመጸሎም ዛንታታት መሪጾም ኣዋዲዶም የቕርብዎ። ኣርእስትን ስእልታትን'ውን ይመርጹ።
ሕጂ ግን፡ ነዚ ናይ ጋዜጠኝነት ስራሕ፡ ብመገዲ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ክስራሕ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ስለ'ዚ ድማ፡ ማይክሮሶፍት ነዞም ጋዜጠኛታት ከሰናብቶም እዩ።
ማይክሮሶፍት፡ እዚ ውሳነኡ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ገሊጹ'ሎ።
ማይክሮሶፍት፡ ከምቶም ካልኦት ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታት፡ ዜና ካብ ዘቕርቡ ትካላት ትሕዝቶታት ብምዕዳግ እዩ ኣብ ዌብሳይቱ ዘቕርብ።
ኣየኖት ዜናታት ክቐርቡ ከምዝግበኦምን፡ ብኸመይ መገዲ እዮም ክቐርቡ ዝግበኦምን ዝብል ግን ጋዜጠኛታቱ እዮም ዝውስንዎ ነይሮም። ሕዚ ግን ሮቦት ክሰርሕዎ እዮም።
ብሰንኪ እዚ መስርሕ ድማ፡ 50 ዜና ዘዳልዉ ዝነበሩ ግዚያዊ ቁጻር ዘለዎም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ስርሖም ክስእኑ እዮም። ብቐዋምነት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ግን ኣብ ስርሖም ክጸንሑ እዮም።
ካብቶም ስርሖም ዝስእኑ ጋዜጠኛታት ሓደ "ማሽን ክትከአና ከምዝኽእል ምሕሳብ ሞራልካ ዝሰብር እዩ፡ ግንከ ካብዚ ሓቂ ኣየምለጥናን" ኢሉ።
ገለ ካብቶም ዝስጎጒ ጋዜጠኛታት ግን፡ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ነቲ ጥቡቕ መምርሒታት ጋዜጠኝነት ምሉእ ንምሉእ ዘይክርደኦ ስለዝኽእል፡ ዘይግቡእ ዛንታታት ከይመመየ ከሕልፍ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።
"ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ብኸመይ ስራሕና ክምንጥለና ከምዝኽእል ዕድመይ ምሉእ እየ ኣንቢበ፡ ሕጂ ኸኣ ነቲ ናተይ ስራሕ መንጢሉኒ" ኢሉ ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት።
ማይክሮሶፍት፡ ወጻእታት ንምንካይ ኢሎም 'ጋዜጠኝነት ሮቦት' ተባሂሉ ንዝፍለጥ መስርሕ ካብ ዝፍትኑ ዘለዉ ብዙተት ትካላት ቴክኖሎጂ ሓደ እዩ። ጉግል'ውን ናቱ ፈተነታት ይገብር ኣሎ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







