መስራትን ወናንን ብኢንተርኔት ዝፍጸም ንግዲ - ኣሊባባ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ ኣሎ

ጃክ ማ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ (የማን)

ቻይናዊ ፈጣሪ ስራሕን መስራቲ ዓብዪ ትካል ብኢንተርኔት ዝፍጸም ንግዲ [ኢ-ኮመርስ] ኣሊባባ ዝኾነ ጃክ ማ ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን (ICT) ዑደት ኣካይዱ።

ንሱ ብመሰረት ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቐረበሉ ዕድመ፡ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ'ሎ። ንክልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዑደት ስራሕ ድማ ክገብር'ዩ።

ኣብ ፓርክ ተክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን (ኣይሲቲ)፡ ኤለክትሮኒካዊ ማእኸል ዓለምለኸ ንግዲ ዮ[Electronic World Trade Platform - eWTP]ኢትዮጵያ ንምኽፋት ስምምዕ ተገይሩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣሊባባን'ዩ ተፈሪሙ።

እዚ ፕሮግራም ነንኣሽቱ ቢዝነሳት፣ መናእሰይን ደቂኣንስትዮን ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ተሳተፍቲ ዝኾኑሉ ዕድል ክፈጥር ትጽቢት ይግበር።

ቻይናውያን ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ማእኸል ኢለክትሮኒክ ዓለም ለኸ ንግዲ [Electronic World Trade Platform - eWTP]

ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብትዊተሩ ከምዝሓበሮ፡ ጃክ ማ ምስ ካልኦት ሰብ ዋኒን'ዩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘሎ።

ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ቀንዲ ስሕበት ኢንቨስትመንት ናይ ምግባር ድልየት ኣለዋ።

ነዚ ድማ'ዩ እታ ሃገር ማእከል ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ኣፍሪቃ ንምግባር ዝዓለመፓርክ ዝተሃነጸ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቻይና ሃንግዙ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ትካል ኣሊባባ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ጃክ ማ ንሰራሕተኛታት ትካሉ ንምዝንናይ ናይ ማይክል ጃክሰን ስዕስዒት ኣርእዩ።