ማይክሮሶፍት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራሕ ብምስራሕ 'ኣፍራይነቱ ዓብዩ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጃፓን ዝርከብ ጨንፈር ዓርሞሸሽ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ማይክሮሶፍት፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ክሰርሑ ብምግባሩ ኣፍራይነት ሰራሕተኛታቱ ብ40% ከም ዝዓዘዘ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ንመፈተኒ ኣብ ዘተኣታተዎ ኣገባብ፡ እቶም ሰራሕተኛታት መሃያ ከይጎደሎም ኣብ ሰሙን ኣብ ክንዲ ሓሙሽተ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝወፍሩ እዩ ገይሩ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ እቲ ትካል ክዕጾ ከሎ፡ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ድማ ከም ዘዕርፉ ተገይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣኼባታት ልዕሊ 30 ደቓይቕ ከይዛየዱን፡ ብኣካል ምርኻብ ዘየገድዱ ድማ ብኢንተርነት ክካየዱን ኣተባቢዑ።
ጃፓን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ሰዓታት ስራሕ ዘለወን ሃገራት እያ።
ኣብ 2017 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ፡ ከባቢ ርብዒ ካብ ኩባንያታት ጃፓን፡ ኣብ ወርሒ፡ ልዕሊ 80 ተወሳኺ ሰዓታት ዝሰርሑ፡ ግና ዓስቢ ዘይረኽቡ ሰራሕተኛታት ኣለወን።
እቲ ብኩባንያ ማይክሮሶፍት ዝተኻየደ ፈተነ ብ92% ሰራሕተኛታቱ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ድሒሩ ዝተገብረ ዳህሳስ ኣነጺሩ።
በንጻሩ ዓሊባባ ዝተብሃለ ዓቢይ ቻይናዊ ትካል ዕዳጋ ኢንተርነት፡ ሰራሕተኛታቱ 12 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ምስርሖም ሽሻይ ምዃኑ ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







