ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ጸገም ዝወደቑ ስደተኛታት

ስደተኛታት ኣብ ጸገም ወዲቖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣፍሪቃዊ ጋዜጠኛ ኢስማዒል ኢናሼ ከምዝብሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ስደተኛታት ሓያል ጸገማት እዮም ዝሓልፉ ዘለዉ።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ናብቲ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ኣብ መገዲ ዕንይንይ ይብሉ ኣለዉ። ናብቲ ዝሓሰብዎ ሃገር ክሰግሩ ኾነ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይክሉን። ዓለም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ጠጠው ኢላ ስለ ዘላ፤ ምንቅስቓስ ኣይከኣልን።

ከም ኣብነት፡ ስደተኛታት ዘዘውትርዎም ክልተ መገድታት ስደት ንርኣይ። ሓደ፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ብወሽመጥ ዓደን ኣቢሉ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ጉዕዞ ኣሎ።

እቲ ካልእ ድማ፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምኡ'ውን ካልኦት ስደተኛታት ዝኸድዎ መገዲ ማእከላይ ባሕሪ ሜዲትራንያን እዩ። እዚ ድማ ብሊብያ ኣቢሉ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝግበር እዩ።

እቲ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ስደት ብዝምልከት፡ ትካል ስደተኛታት ዓለም ከምዝብሎ፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ብዝሒ ስደተኛተት ነክዩ እዩ ዘሎ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ የመን ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛተት 1,725 ጥራይ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ግን 7,223 ስደተኛታት እዮም ሰጊሮም። ኣብ ለካቲት ዝነበረ ብዝሒ ስደተኛታት ድማ 9,624 እዩ። ኣብ ጥሪ ድማ 11,101 ነይሩ።

መብዛሕተኦም ካብዞም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሸቕሊ ደልዮም ዝሰግሩ እዮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብማእከላይ ገምጋም በብወርሑ ኣስታት 11,500 ሰባት ብጃልባ ናብ የመን ይሰግሩ ነይሮም። ኣብቲ ዝሐዓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 138,000 ሰባት እዮም ብመገዲ የመን ኣቢሎም ተሰዲዶም።

ኣብዚ እዋን፡ በዚ መገዲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክሰግሩ ዝተበገሱ ስደተኛታት፡ ኣብ ሶማልያ ወደብ ቦሳሶ መዋጽኦ ስኢኖም ኣለዉ።

ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ተሃስየን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ጁቡቲ ድማ፡ ሰምሰርቲ ዝራሕርሕዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣለዉ።

ኣብ ማእኸል ማይዳ ዝተወሸቡ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእኸል መይዳ ዝተወሸቡ ስደተኛታት

ትካል ስደተኛታት ከምዝብሎ፡ ኣስታት 400 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ብናይ ኢትዮጵያ ኮምዩኒቲ መጽለሊ ተሰናዲኡሎም ይሕገዙ እዮም ዘለዉ። እንተኾነ፡ መገደኛታት እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ተገይሮም ስለዝረኣዩ ብደቂ ዓዲ ምግላልን ጸገምን ይበጽሖም ከምዘሎ እዩ እቲ ትካል ዝዛረብ።

"ካብ ዝመጽእ ሰለስተ ወርሐይ ገይረ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ነገር ቀይርዎ እዩ። ጉዕዞይ ክቕጽል ኣይኽእልን። ንዓደይ'ውን ክምለስ ኣይኽእልን፤ ዶባት ተዓጽዩ እዩ" ክብል ሓደ ወዲ 19 ዓመት ንትካል ስደተኛታት ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንኣስታት 3,000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኮሮናቫይረስ ክህልዎም ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ንዓዶም ጠሪዘን እየን።

ካብቶም ስደተኛታት፡ መብዛሕተአን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ኮይነን፡ ብሕጋዊ መገዲ ብንእሽቶ መሃያ ኣብዘን ሃብቲ ነዳዲ ዘለወን ሃገራት ክሰርሓ ዝጸንሓ እየን።

ብኻልእ ወገን፡ ብሊብያ ኣቢልካ፡ ባሕሪ ሜዲትራንያን ሰጊርካ ዝግበር ጉዕዞ ድማ እቲ ዝገደደ ሓደገኛ እዩ። ህይወት ኣድሕን ጃልባታት፡ ንስደተኛተት ካብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስራሕ ከይሰርሓ ገደብ ተገይሩለን እዩ። ስደተኛታት ድማ፡ ካብ ባሕሪ ናብታ ብጎንጺ ትሕመስ ዘላ ሊብያ ክምለሱ ይግበር።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ምስተላዕለ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ስደት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት። ነዚ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ድማ፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተነበረ ዕጽዋታት፡ ንድኽነት ኣጋዲድዎ እዩ። ነቲ ቀደሙ'ው ድኹም ዝነበረ ቁጠባ፡ ዝያዳ ሃስዩዎ ኣሎ።

ሃገራት ኣውሮጳ ድማ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ጉዳይ ፖለቲካ ንምግባር፡ ከምቲ ልሙድ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ተበሊጸናሉ።

ማልታ ወደባታ ብምዕጻው፡ ንስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናብ ሊብያ ትመልሶም ኣላ። ኢጣልያ ድማ፡ ስደተኛታት ኣብ ህይወት ኣድሕን ጃላቡ ክውሸቡ እዮም ኢላ ኣላ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንስደተኛታት ዝያዳ ንጸገም እዩ ኣቃሊዕዎም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ፡ ምሉእ ብምሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ዶባተን ካብ ዝዓጸዋ 167 ሃገራት፡ እተን 57 ንሓተትቲ ዑቕባ'ውን እንተኾነ ብፍሉይ ዘአንግዳሉ መስርሕ ኣይገበራን።

ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል፡ መሰረታዊ መሰል እዩ። እንተኾነ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ብዙሓት ሃገራት ነዚ መሰል ክጥሕሰኦ ይርኣያ።

ኣብ ኣውሮጳ፡ ገለ ገሃራት ንነዊሕ ዓመታት ብዝኽተለኦ ኣንጻር-ስደተኛታት ዘቕነዐ ፖሊሲ እየን ዝልለያ። ሓንቲ ኣብነት ከኣ ኣውስትርያ እያ።

ኣውስትርያ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ተበሊጻ፡ ንመሰል ምርካብ ዑቕባ ኣጊዳቶ ኣላ።

መሰል ስደተኛታት ይጠሓ ስኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ቫይረስ ሒዞም ይመጽእ ኣለዉ ብዝብል'ውን እዮም ዝንቀፍሉ ዘለዉ።

ኣብ ቻይና ጉዋንግዙ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምስባብ፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዓሌታዊ ብዝኾነ መገዲ ክስጎጉ፣ መጥቃዕቲ ክበጽሖምን ብኣስገዳድ ክውሸቡን ተራእዩ እዩ።

ኮሮና