ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጠረ ስንባደ

ኣብ ትግራይ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ ወላ ሓደ ሰብ የለን ዝብል ንኣዋርሕ ዝፀነሐ ሰናይ ዜና፡ ንብዙሓት ኣብቲ ፈለማ ዘካይድዎ ዝነበረ ጥንቃቐ ገዲፎም ሸለል ክብሉ ኣሻዲንዎም። ብኣንፃሩ ድማ፡ ትማሊ ኣርብዓተ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ዝብል ጥላል ሓበሬታ ምስተሰምዐ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ'ዩ።
ካብ ጅቡቲ ዓበይቲ መካይን ሽኮር፣ ኣእኻል፣ ፋሓምን ነዳድን ፅዒነን ይኣትዋ።
ኣብ ጅቡቲ ድማ እቲ ቫይረስ ብናህሪ ይላበድ ምስ ምህላዉ፡ ናብ ትግራይ ብመራሕቲ መካይንን ሓገዝቶምን ኣቢሉ ክኣቱ ከምዝኽእል ብዙሓት ሓበሬታ ይህቡ ነይሮም።
መራሒ ሓይሊ ዕማም ትግራይ፡ ካብ ጅቡቲ ብመሬት ዓፋር ኣቢሎም ንዝመፅኡ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ሽኸት ሓሊፎም መሬት ትግራይ ምስ ረገፁ፡ ብጥቡቕ ሓለዋ ናብቲ ዘራግፍሉ መቐለ ከባቢ ቀበሌ 05 ዓጂቦም ብምውሳድን ካብ ቀፅሪ እቲ መራገፊ ከይወፅኡ ብምግባርን ይከላኸል ምህላዉ ክገልፅ ፀኒሑ።
ኣብዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ምልሻን ከምዝተዋፈሩ ተገሊፁ'ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግና እቶም ትማሊ ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎም ብምርመራ ከምዝተረጋገፀ ዝተገለፁ ሰባት ኣርባዕቲኦም ካብ ጅቡቲ ዝመፅኡ እዮም።
እቲ ዝኸፈአ ድማ እቲ መራሒ መኪና ምስ ስድራኡ ከምዝተራኸበ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
እሞኸ ደኣ! እቶም መራሕቲ መካይን ይውሸቡ እንተደኣ ነይሮም፡ እቲ መራሒ መኪና ብኸመይ ናብ ስድራኡ ክኸይድ ክኢሉ?
ኩነታት ስድራኡ ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ብቶም መራሕቲ መካይን ኣቢሉ እቲ ቫይረስ ካብ ጅቡቲ ክኣቱ ከምዝኽእል እናተፈልጠንምንታይ ሓለዋን ክትትልን ክልሕልሕ ክኢሉ?

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም።
"እዚ ሎምዓልቲ ኢና ሰሚዕና፡ ክንግምግሞ ኢና፤ ቅድም ኢሉ ግን ህዝቢ እውን ይሓትት ነይሩ እዩ፤ ምልክታት እውን ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ክንጥንቀቕ ከምዘለና እንተዘየለ ዋጋ ከኽፍለና ከምዝኽእል እናልዐልናዮ ፀኒሕና ኢና። ይኹን እምበር እቲ ሕዚ ኣርእዩና ዘሎ ምልክት ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ንምንታይ እዩ ከምኡ ተፈጢሩ? ካብቲ መዕቘቢ ቦታ ንምንታይ ወፂኡ? መን እዩ ፈቒድሉ? ኣብዚ ብደንቢ ክንርእዮ ኢና።
"ኣብዚ ክፍተት ዘርአዩ ኣካላት፡ክሕተቱ እዮም። እዚ ቀልዲ ኣይኰነን፤ እዚ ብህዝቢ ትግራይ ምቕላድ እዩ። እቲ ማሕበር ፅዕነት መካይን እውን ሓላፍነት ክወስድ እዩ። እቶም ውልቀሰባት እውን እቲ ፀገም ከቢድ ምዃኑ ዘይርድኡ እንተዀይኖም ንስድራኦም እውን ኣብ ሓደጋ ከምዘእትዉ ኢና ካብዚ ሽፈር እዚ ተረኢእና ዘለና" ኢሎም።
እቲ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎ ዘሎ መራሒ መኪና ምስ ስድራኡ ምርኻቡ ጥራይ እንተይኰነስ፡ ስድርኡ ክሳብ ትማሊ ምሸት ንበይኖም ተፈልዮም ክውሸቡን ምርመራ ክግበረሎምን ከምዘይተገብረ ብስልኪ ሓበሬታ ረኺበ።
እንተ ዶክተር ሓጐስ እቲ ሓበሬታ ግጉይ እዩ ይብሉ። "ናትና ሰብ ሞያ ኣለዉ 'ኮንታክት ትሬሴርስ' ዝበሃሉ፤ ከምዚ ዝበለ ጥርጡር ክህሉ እንከሎ እናደለዩ ዝውስዱ ኣለዉ። ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብንሓሳእ ኰይኖም እዮም ዝሰርሑ። ስለ'ዚ ኩሉ ኣበይን እንታይን ከምዘሎ ንምእራይ ተፈቲኑ እዩ። ሕዚ'ውን ይቕፅል ስለዘሎን ገና ስለዝዀነን፡ ብደንቢ ኩሉ ምስኡ ርክብ ዝነበሮ እንተራኣየ ክኣቱ እዩ። ምእታው ጀሚሩ'ሎ፤ ዝተረፈ እንተሃልዩ እውን ክኣቱ እዩ" ብምባል ነቲ ሓበሬታ ከምዘይተቐበልዎ ገሊፆም።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውፀኦ እዋን እቶእቶ ዳግም ብሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘናወሖ ይፍለጥ።
ይኹን እምበር ግና ዝተወሰኑ ኣናእሽተይ ትካላት ተኸፊቶም ስራሕ ክጅምሩን ውሱን ምንቅስቓስ ክካየድን ፈቒዱ እዩ። ድሕሪ'ዚ ፍቓድ'ዚ ሰባት ክድፍሩን ነቲ ኣዋጅ ክስዕሩን ተራእዮም።
ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ተኣኪቦም ኣብ ሓንቲ ሞባይል ስልኪ ፀወታን ግጥምን ከካይዱ ብስፍሓት ይረአ።
ኣብ ዕዳጋ ህዝቢ ብድፍእን ጉንፂትን ኣብ ሃይሃይታ ይውዕል። እቲ ፈለማ እቲ ለበዳ ናብ ሃገር ኣትዩ ምስ ተባህለ ተሪፉ ዝነበረ ብኢድ ሰላም ምብህሃልን ምትሕቑቛፍን ኣብዚ ቅንያት'ዚ ናብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮ ተመሊሱ ትዕዘብ።
ኣብ ኣብይተ ክርስትያን ህዝቢ ኣብ ቀብሪ ብኣሻሓት ተኣኪቡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ክዳፋእ ምርኣይ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።
ምሸታ ምሸት ኣብ ታኽሲ ተፃቒጥካ ምኻድ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ካብ ከተማ ናብ ከተማ ኮሚደረን ሽጉርትን ፅዒነን ምስ ዝንቀሳቐሳ ኣይስዙ ዝዓይነተን መካይን ብዙሓት በፂሖም ከምዝምለሱ ይዛረቡ።
እንዳ ኣብያተ መስተ ምዕፃወን መርድእ ዝዀኖም ሰተይቲ፡ ስዋ ብጎማ መሊኦም ኣብ ዘይተመልኡ ህንፃታት ኣፅሊሎም እሞ ድማ ተኣኪቦም ይሰትዩ፤ ሰብ መካይን ቢራ ብካሳታት ገዚኦም ካብ ከተማ ውፅእ ኢሎም ተኣኪቦም ይሰትዩ።
ዋጋ ሓደ ቢራ 25 ብር ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሳብ 40ን 50ን በፂሑ ኣሎ። ካብተን ፋብሪካታት ናብ ከተማታት ዝኣቱ ቢራ እውን ይውሕድን ይተርፍን ስለዘሎ ዋግኡ ኣመና ክኸብር ኣገዲዱዎ'ዩ።
እዚ ኹሉ ምስትርሓይ ግና ካብ ትማሊ ንደሓር ዝቕፅል ኣይመስልን። ስለ ምንታይሲ እቲ ትማሊ ዝተሰምዐ ሕማቕ ዜና፡ ንብዙሓት ኣደንጊፁ እዩ።
ካብ ብቐደሙ እውን ኣብ ትግራይ እማን ድዩ ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ዝሓመመ ሰብ ዘየለ? እናበለ ዝጠራጠር ዝነበረ ሰብ በቲ ትማሊ ዝተሰምዐ ሓበሬታ ኣመና ክሻቐል ክኢሉ እዩ።
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጐስ ሕዚ እውን ህዝቢ ምኽሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ክሰምዕን ልዑል ጥንቃቐ ክገብርን ይምዕዱ። ብፍላይ ዝመፅእ ዘሎ ቀዳም ዝውዕል በዓል ማርያም ግንቦት ሰባት ከይእከቡ ሓደራ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ዜና ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ 25 ሰባት ተወሰኽቲ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊፆ እዩ። እቲ በዝሒ ነቶም ኣብ ትግይራ ዝተረኸቦም 4 ሰባት ኣይሓውስን። ንምንታይ?
"ሚኒስትሪ ጥዕና ንጉሆ እዩ መግሊፂ ዝህብ። ንሕና ድማ ድሕሪ ፋዱስ ኢና እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ምህላዎም ኣረጋጊፅና። ስለ'ዚ ካብ ኣሕዲርና ብሚኒስትሪ ጥዕና ኣቢልና ንገልፅ፡ ምእንቲ ህዝቢ ክጥንቀቕ ሽዑ ንሽዑ ንህዝቢ ምግላፅ ኢና መሪፅና። ይዀን እምበር ግና ንሚኒስትር ጥዕናን ንዳይሬክተር ህዝባዊ ጥዕና ኢትዮጵያን ኣፍሊጠዮም እየ" ኢሎም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







