ኣብ ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ ምህልላታት ውሳነ ሲኖዶስ ዝጠሐሱ እዮም-ተባሂሎም

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ማይጨውን መኾንን ህዝቢ ናብ ከተማ ብምውፃእ ተማህሊሉ እዩ።
ብኣንፃሩ ድማ እቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፀአ ድንጋገ ህፁፅ እዋን፡ ህዝቢ ክእከብ ከምዘይብሉ ይኽልክል፡ ርሕቐቱ ሓልዩ ሕማም ኮሮናቫይረስ ክከላኸልን ድማ ይድንግግ።
ብምኽንያት'ዚ ሓይልታት ፀጥታ፡ ነቲ ኣብተን ከተማታት ዝተኻየደ ምህለላ ደው ንክብል ብምሕታቶም፡ ምስ ገለ ኣመንቲ ከምዝተጓነጹ፡ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተርና ግርማይ ገብሩ ተዓዚቡ።
ዛጊድ ኣብ ዓዲግራትን ማይጨውን ምስዚ ምንቅስቓስ ተዛሚዱ ገለ ሰባት ከምዝተኣሰሩ'ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ እዩ።
ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ዳግም ምርድዳእ ክካየድ ከምዝሓተተ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕተት ዘካየዱ ኣብ ሃገረስብከት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ መራሒ ሃይማኖት ዝኾኑ፡ ኣባ እስጢፋኖስ፡ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ንዝወሰኖ ውሳነ፡ ውልቀ ሰባት ይጥሕስዎ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ህዝቢ ምእንተ ጥዕንኡን ድሕንነቱን ተኣኪቡ ከይምህለል ውሳነ ከምዝሓለፈ ገሊፆም፤ ኰይኑ ግና እቶም ዝመርሑን ነቲ ድንጋገ ዝጥሕሱን ዘለዉ ውልቀሰባት ንዝዀነ ይኹን ማሕበር ኣይውክሉን ኢሎም።
ዘይጭቡጥ ወረታት
ብኻልእ ገፅ መድሓኒት ኮረና ኣለና ብምባል ንህዝቢ ዘይኰነ ተስፋ ዝህቡ ባህላዊ ሓካይም ተበራኺቶም ከምዘለው ይዝረብ።
እዚ ንምግታእ፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ ማሕበር ባህላዊ ሕክምና ትግራይ ተዛትዩ ኣሎ።
ኣብቲ ቢሮ ሓላፊ ምምሕዳር ቁፅፅር ምግብን መድሓኒትን ክንክን ጥዕና ኣይተ ባህረ ተካ ንቢቢሲ እንትዛረቡ፡ ብዕጣንን ቅብኣትን ዝተቓመመ መድሓኒት ኣለና ኢሎም፡ ናብቲ ቢሮ ዝመፅኡ ባህላዊ ሓካይም ከምዘለዉ ገሊፆም።
ንሳቶም ድማ፡ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣረጋጊፆም ዘይፈቐድዎ መድሓኒት ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ከምዘይግባእ ብግልፂ ከምዝተነገሮም ሓቢሮም።
ኣብ ወረዳ መደባይ ዛና፡ ንኮረና ዝፍውስ መድሓኒት ኣለኒ ዝበሉ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ድማ ኣይተ ባህረ ንቢቢሲ ገሊፆም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







