ኮሮናቫይረስ፡ በዓል ትንሳኤ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከሕልፉ ዝተገደዱ ተጓዓዝቲ ኣኽሱም

ምንጪ ስእሊ, Aksum university
ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሰንበት፡ ኣቶ በላይ ወልደገብርኤል በዓል ትንሳኤ ምስ ስድርኡ ከብዕል ኢሉ ምስ ካልኦት ገያሾ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ናብ ኣኽሱም የምርሕ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃጸይ የውሃንስ ኣኽሱም ምስ ኣተዉ ግን ብሰብ ሞያ ጥዕና ናይ ረስኒ ምርመራ ተገይርሎም ምስ መጋይሽቱ ብኣኽሱም ዩኒቨርስቲ ናብ ዝተዳለወ መወሸቢ ማእኸል ከቕንዑ ተገይሩ።
ተወሺብሉ ካብ ዝርከብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ምስ ቢቢሲ ጻኒሒት ዝገበረ በዓል ሞያ ሕክምና ኣቶ በላይ፡ ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ በዓል ትንሳኤ ምስ ዝፈትዎም ስድርኡ እንተይኮነስ ንብሕቱ ኣብ ዝተወሸበላ ገዛ ኮይኑ እዩ ከሕልፎ።
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኢሉ ዘውጽኦ መምርሒ ብምዃኑ፡ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ክሳብ ዝኾነ ዋላ ሓንቲ ኣሉታዊ ስምዒት ከም ዘይፈጠረሉን ግቡእ ስጉምቲ ከም ዝኾነን ይዛረብ።
ካልእ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ውሸባ ካብ ዝርከቡ ተጓዓዝቲ መንጎ ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር መብራህቱ ብወገኑ ካብ ጋምቤላ ተበጊሱ ኣዲስ ኣበባ ድሓር ድማ ናብ ኣኽሱም ኣቕኒዑ።
ብመሰረት ሓይሊ ዕማም ትግራይ ዘውጽኦ "ዝኾነ ይኹን ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝነበረ ሰብ ን14 መዓልቲ ክውሸብ ኣለዎ" ዝብል ሓድሽ መምርሒ፡ ናብ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ካብ ዝተገበሩ ተጓዓዝቲ ሓደ እዩ።
ኣኽሱም ኣትዩ ን14 መዓልትታት ክውሸብ ከም ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይነበሮ ዝገለጸ ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር፡ ምእንተ ድሕነቱን ድሕነት ስድርኡን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ግን ቅርታ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርአ ኣትሒዙ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ነናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ክምለሱ ብምግባር እተን ዩኒቨርስታት ማእኸላት መወሸቢ ክኾና ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም እውን ኣብ ከተማታት ኣኽሱም፣ ሽረ እንዳስላሰን ዓድዋን ኣብ ዝርከቡ ቀጽርታቱ ማእኸላት መወሸቢ ናይ ምድላው ስራሕቲ ከካይድ ከም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ መሰረት ድማ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ናይ ሆቴል ወጻእታቶም ክሽፍኑ ዘይከኣሉ ተጓዓዝቲ ኣብ ዝተዳለዉ መወሸቢ ማእከላት ይኣትዉ ከም ዘለዉ ዝገለጸ እቲ ፕዚደንት፡ ክሳብ ትማሊ ምሸት ጥራይ 168 ሰባት ኣብ ቀጽርታት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ከም ዝተወሸቡ ሓቢሩ ኣሎ።
ቢቢሲ ንኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ተወሺቦም ዘለዉ ዜጋታት፡ እቲ ዝተወሸብሉ ማእኸል ክሳብ ክንደየናይ ዝኣክል ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ተማሊእሉ ከም ዘሎ ሓቲትዎም ነይሩ።
ከም መግቢ፣ መደቅስን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ቀረባት ከም ዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር እንተኾነ ግን ኣቲ ዝቐርበሎም መግቢ ክመሓየሽን ወልፊ ቡን ንዘለዎም ሰባት ድማ ኣገልግሎት ሻሂቡን ክቐርበሎም ተላቢዩ።
"እቲ ኩነታት ፈቲና እንተይኮነስ ተገዲድና ንገብሮ ነገር ስለ ዝኾነ ከምቲ ኣብ ገዛውትና ንረኽቦ ዝነበርና ቀረብ ዘይክንረክብ ንኽእል ኢና እንተኾነ ግን እቶም ኣገድሰቲ ዝበሃሉ ቀረባት ጥራይ ኢና ክነቕርብ እንኽእል" ዝብል ምላሽ ዘለዎ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ፡ ናይ ናጻ ኣገልግሎት ውሸባ ዝረኽቡ ዘለዉ ወገናት ን14 መዓልትተታት ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ነቲ ሕማም ከጋድዱ ዝኽእሉ ቀረብ ሻሂ ቡንን ሽጋራን ከቐርበሎም ከም ዘይኽእል ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Aksum University
ካብ ትግራይ ወጻኢ ንዝኣትዉ ኣጋይሽ ምውሻብ ካብ ዝጅምር ንነዘ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማተት ትግራይ ዝግበሩ በረራተት ከምዝነከየ ካብ ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ቅድሚ ውሸባ ምጅማሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ መዓልታዊ ብማእኸላይ 10 በረራ ይግበር ከም ዝነበረን ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ግን ቁጽሪ በረራ ናብ 3 ከም ዝወረደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣኽሱም ብተመሳሳሊ መዓልታዊ ክሳብ 4 ይካየድ ዝነበረ ቁጽሪ በረራ ሓለሓሊፉ ሓደ በረራ ገሊኡ መዓልቲ ድማ ዋላ ሓንቲ በረራ ዘይብሉ ግዜ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ቀንዲ ዕላማ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ናብ ትግራይ ዝግበሩ መገሻታት ናብ ዜሮ ደረጃ ንምውራድ ከም ዝኾነ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ቤሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለ፣ ዓድግራትን ኣኽሱምን ናይ መወሸቢ፣ ብኮሮናቫይረስ ንዝተጠርጠሩ ፈሊኻ መጽኒሒን ብቲ ሕማም ንዝተለኸፉ ድማ መሐከሚ ማእኸላት ዝተጣየሸ ኮይኑ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎ ግን ኣብ መቐለ ዝርከብ ትካል ምርምር ጥዕና ትግራይ'ዩ።
ኣብ ትግራይ ዛጊድ ዋላ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዘየሎ ጸብጻባት ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ የረድኡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







