ኣብ ጣልያን ስፔንን፣ ፈረንሳን ቁጽሪ መወትቲ ነክዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፈረንሳ ጣልያንን ስፔንን፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ከፍኩሳ ኣብ ዝዳለዋሉ ኣብዚ ሰሙን፡ ብዝሒ ቁጽሪ መወትቲ ዝተሓተ ኾይኑ ተመዝጊቡ።
ፈረንሳ 135፣ ስፔን 164፣ ጣልያን ድማ 174 ሞት መዝጊበን።
ኣብ ስፔን፡ እዚ ቁጽሪ፡ ካብ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዝተመዝገ መዓልታዊ ሞት፡ እቲ ዝተሓተ እዩ።
ናይ ጣልያን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ እዚ ቁጽሪ መወትቲ እቲ ዝነኣሰ እዩ ተባሂሉ ተመዝጊቡ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን: ሓደ ፈረንሳዊ ዶክተር፡ ቅድሚ እቲ ናይ መጀመርታ ዕላዊ ዝተገብረ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ፡ ዓሚ እቲ ቫይረስ ኣብ ሕሙማት ተረኺቡ ከምዝነበረ ዝገልጽ መረዳእታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ከ?
ኣብ ሩስያ፡ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ መዓልታዊ እናወሰኸ እንትኸውን፡ 10 ሽሕ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።
እንተኾነ፡ ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ እንትነጻጸር፡ ኣብ ሩስያ ብዝሒ መወትቲ ውሑድ እዩ ተባሂሉ።
ትማሊ ሰንበት፡ 58 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኾይኖም፡ ብድምር ዛጊድ ኣብታ ሃገር 1,280 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ብሪጣንያ ድማ ትማሊ ጥራሕ 135 ሰባት ሞይቶም።
እንተኾነ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፡ ብዝሒ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቁጽሪ ተሓከምቲ እናነከየ ምምጽኡ እዮም ዝዛረቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







