ኣብ ዓለም፡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ትንሳኤ ብኸመይ የኽብርዎ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብኣዋጃት ዕጽዋ፡ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ዝተገደቡ እንተኾኑ'ኳ፡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ነዚ ዓብዪ በዓል ትንሳኤ ካብ ምኽባር ዓዲ ኣይወዓሉን።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ እቲ ለበዳ ንምግታእ፡ መብዛሕትኡ ኣማኒ ናብ ኣብያተ ኣምልኮ ከይኸድን ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ከጻልትን እዩ ዝምከር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጆርጅያ ግን ካብዚ ትፍለ ኾይና ውዒላ።
ኣብያተ ክርስትያና ኣይተዓጸውን፡ ኣማኒ ድማ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ካብ ምኻድ እግሪ ኣየድሐረን።
ኣብ እየሩሳሌም እንተኾነ'ውን፡ 'ሆሊ ፋር' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ባህላዊን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ተኸቢሩ ውዒሉ እዩ።
እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተዓጸወ እንተኾነ'ኳ፡ ሒደት ካህናት ጸሊም ኣልባስ ድርብ ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ክርስትያን ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዓብዩ ድማ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያናት ዝተውጻጽኡ ጰጳሳት ኣብ ዝተረኸብሉ ጥዋፍ ብምብራህ ተኸቢሩ።
ጥዋፍ ምብራህ፡ ናይ እየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ዘበስር እዩ።
ፓትርያሪክ ግሪክ፡ ኣባ ቴዎፍሎስ ሳልሳይ፡ ነቲ ጥዋፍ ዝወልዑ ኮይኖም፤ እንተኾነ ፡ እቲ ጥዋፍ ከምቲ ልሙድ ንምእመናን ኣይሃቡዎምን።
ኣብቲ ክብረ በዓል፤ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ኣርመን ፡ ኤጲስ ቆጶስ ሶርያ ከምኡ'ውን ካልኦት ሓገዝቶም ተረኺቦም አዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ካልኦት ሃገራትከ?
ሩስያ፦ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ሩስያ፡ ናይ ቅድሚ ሕዚ ልምድን ባህልን ብምግዳፍ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንታ ኣብቲ ለይቲ ዝካየድ ቅዳሴ ከይርከቡ ከልኪላ እያ።
ስነ ስርዓት እቲ ቅዳሴ፡ ሒደት ካህናትን ዲያቆናትን ኣብ ዝተረኸብሉ ጥራሕ ተፈጺሙ።
ኣብ ዩክሬን ኣመንቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከይኣትዉ ፖላስ ክሕልዉ ሓዲሮም።
ኣብ ግሪክ ድማ ሰብ ስልጣን እቲ ኩነታት ንምዕዛብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ተጠቒሞም ክዛውኑ ሓዲሮም ተባሂሉ። ዝኮነ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኾይኑ፡ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ፖሊዊስ ድማ ተዋፊሮም ሓዲሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣብ ግብጺ፡ ፓትያርክ ኮፕቲክ ቴዎድሮስ ካልኣይ በዓለ ስቕለት ኣብ ምብራቕ ካይሮ እዮም ኣሕሊፎምዎ። ኣመንቲ ኣይተረኸቡን ተባሂሉ።
ዲያቁናትን ካህናትን ድማ፤ ተፈናቲቶም ክቕድሱ ተራዮም።
ኣብ ሮማንያ ህዝቢ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ዝተኸልከለ ኾይኑ፡ ጥዋፍ ናይ ምብራህ ኮነ ጸበል ናይ ምንጻግ ስነ ስርዓት ኣይተኻየደን።
ንዘድልዩ ሰባት ግን፡ ናብ ገገዘኦም ከምዝመጽአሎም ተነጊርዎም እዩ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቡልጋርያ ሶፍያ፡ ሰዓት እቶ እቶ ዝተኣወጀ ኾይኑ፡ ንበዓል ኢሎም ካብ ከተማ ንዝወጽኡ ንምኻልካል ዝዓለመ እዩ።
ኣብ ሰርቢና ሞንቴኔግሮ ፡ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ገገዘኦም ጥራሕ ከኽብሮ ተነጊርዎም።
ኣብ ሰሜን ሜቄዶንያ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ግን፤ ኣመንቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ከይመጽኡ ክኽለክል ኣይክእልን ኢላ።
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ፡ መራሕቲ ኦርቶዶክስ፡ ኣመንቲ ኣብ ገገዘኦም ኮይኖም ጸሎት ክገብሩ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
ብፍላይ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ገገዘኦም ኮይኖም ብቴሌቪዝን ብቀጥታ ስርዓተ ቅዳሴ ክከታተሉ ተገይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ ወሲኹ፡ ኣብ ገለ ኸባብታት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተኣኪቦም ተራእዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







