ደቡብ ኮርያዊት ከተማ ዴጉ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነጻ ኮይና

ኣብ ጽርግያ ከተማ ዴጉ ዝንቀሳቐሳ ነበርቲ

ኣብ ደቡብ ኮርያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ግና 27 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቦም እዮም።

እዚ ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ዝተመዝገበ እቲ ዝወሓደ ኣሃዝ እዩ።

ዋላ'ኳ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ዘይምህላዉ ፅቡቕ ዜና እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ዝኽበር በዓል ፋሲካ፡ ሓድሽ ረኽሲ ንከይፍጠር ግና፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሃይማኖታዊ ጉጅለታት፡ ካብ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ክቁጠቡ ድማ ፀዊዑ።

ብተመሳሳሊ ደቡብ ኮርያውያን፡ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ንክልተ መዓልታት መረፃ ከካይዱ እዮም።

ናብ ናቑጣታት መረፃ ዝመፅኡ መረፅቲ፡ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ (ማስክ) ክገብሩ፣ ሙቐቶም ክልክዑ፣ ድምፆም ንምሃብ እንትስርዑ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ሓደ ሜትሮ ክርሕቑን ኢዶም ብሳኒታይዘር ብምፅራይ ጋንቲ ክገብሩን ማዕዳ ተዋሂብዎም እዩ።

ቦርድ መረፃ እታ ሃገር፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ይሕከሙለን ኣብ ዘለዉ ሸሞንተ ማእኸላት እውን፡ ተሓከምቲ ድምፆም ንክህቡ፡ ናቑጣታት መረፃ ኣዳልዩ።

ኮሮና
ኮሮና