ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከም ዝተርኣየ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 30 ወረዳታት ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከም ዝተኸሰተ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ዛጊድ ድማ፡ ሓሙሽተ ሰባት በቲ ለበዳ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
ካብቶም ዝሞቱ፡ እቶም ሰለስተ ኣብተን ለበዳ ዝተርኣየለን ወረዳታት ዝነበሩ ከም ዝኾኑ ዳይሬክተር ቁጽጽር ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብን ግብረ መልስን ኣቶ መስፍን ወሰን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እተን እቲ ሕማም ብመልክዕ ለበዳ ኣብ 30 ወረዳታት ክልላት ትግራይ፣ ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብ፣ ዓፋርን ሶማልን ከም ዝተርኣየ'ውን ሓቢሩ።
እተን እቲ ለበዳ ዝተርኣየለን ወረዳታት ኣብ ገጠራት እተን ክልላት ከም ዝኾና ዝሓበረ ኣቶ መስፍን፡ መብዛሕተአን ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ደቡብን ዝርከባ እየን እየን ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ 228 ሰባት ብሕማም ንፍዮ ከም ዝተትሓዙ እቲ ዳይሬክተር ወሲኹ ሓቢሩ።
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመላኽትዎ፡ ሕማም ንፍዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሱማሌን በቲ ሕማም ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ መላእ ዓለም፡ ለበዳ እቲ ሕማም እናዓበየ ዝመጸ ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ጥራሕ ልዕሊ 140 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
ካብቶም መወትቲ እቶም ዝበዝሑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ህጻናት ከም ዝኾኑ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







