ሶማል፡ ሓሙሽተ ዓይነ-ስውራን ብሓንሳብ ተመርዕዮም

ኣብ ርእሰ-ከተማ ሶማልያ መቃድሾ፡ ሓሙሽተ መርዑት፡ ኣብ ሓደ ዳስ ተመርዕዮም።
እቶም ኣርባዕተ ዓይነ-ስውራት መርዓውትን እታ ሓንቲ ዓይነ-ስውርቲ መርዓትን፡ ንመመርዓዊኦም ዝኸውን ገንዘብ ንከዋጽኡ ኣዝዮም ተጸጊሞም ነይሮም።
ኣብ ሕብረተሰብ ሶማል፡ ብባህሊ፡ ንመርዓ ዝኸውን ገንዘብን ንዋትን ብስድራ-ቤት እዩ ዝዋጻእ። ስለዝኾነ ነቲ ጉዳይ ዝተረድኡ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ንወጻኢታት እቲ መርዓ ሸፊኖሙሎም።
ሓንቲ ካብተን መርዑት ዝኾነት ሰሚራ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሰብኣይ ንኽትረክብ ተጸጊማ ከምነበረትን፡ ሰብኣይ ምስ ተረኽበ'ውን ንመርዓ ዝኸውን ገንዘብ ክትረክብ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዘሕለፈትን ትገልጽ።
ብሳላ እዞም ኩባንያታት ግን እቲ ዝደለየቶ ከምዝሰመረላ ትገልጽ።
ንሳ፡ ንኣካለ-ስንኩላን አሕዋትን ኣሓትን ዘፍቅሮም መጻምድቲ ካብ ምንዳይ ዓዲ ክውዕሉ ከምዘይብሎም ትመክር።
በዓል ቤት ሰሚራ ማስላህ ዓሊ፡ ንሰበይቱ ንከፍቅራ ዝመሰጦ ነገር ክገልጽ እንከሎ "ንዓይነ-ስውርቲ ሰበይተይ ክምህራ እንከሎኹ'የ ኣብ ፍቕሪ ኣትየ። ንፍዕቲን ሓርኮትኮት እትብል ጻዕራም ተምሃሪት እያ ነይራ። ሓንቲ መዓልቲ ድማ ብልጽቲ ኣደ ደቀይ ክትከውን እያ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







