ኣብ መርዕኡ ብዕዱማት ዝተቐጥቀጠ መርዓዊ

ምንጪ ስእሊ, Social media
መርዓዊ ኣሲፍ ራፊቕ ፓኪስታናዊ እዩ። ከም ንጉስ ክረኣየሉ ኣብ ዝግባእ ዳሱ ተጸፊዑን ተቐጥቂጡን፡ ክዳን መርዕኡ ተተርቢዑ፡ ቅዳድ ስርኡ እናሰሓበ ህይወቱ ከድሕን ሃዲሙ።
ቀጥቀጥቱ ከኣ ጓኖት ኣይነበሩን፡ ዝተቖጥዑ እንዳሕምኡ፡ ስድራ ናይታ ሓዳሽ መርዓቱ እዮም። እንታይ ኣቖጠዖም?
ናብቲ መርዓ ናይ መጀመርያ ሰበይቱ መጺአ፡ ነታ ሓዳሽ መርዓት 'ብዘይካኺ ክልተ ኣንስቲ ኣለውኦ' ምስበለታ እዩ ዳስ ናብ ዕግርግር ኣትዩ።
በዚ ዝተቖጥዑ ኣዝማድ መርዓት ከኣ ንኣሲፍ ቀጥቂጦምዎ፡ መርዓዊ ከኣ ካብ ዳሱ ሃዲሙ ናብ ትሕቲ መኪና ኣትዩ ተሓቢኡ።
ካብ መዓት እንዳሕምኡ፡ ዘይፈልጥዎ ሰባት እዮም ኣድሒኖምዎ።
ኣብ ፓኪስታን፡ ሰብኣይ ክሳብ ኣርባዕተ ኣንስቲ ክምርዖ ፍቑድ እዩ።
እንተኾነ ግን፤ ካልእ ሰበይቲ ቅድሚ ምምርዓዉ፡ ፍቓድ ናይተን ቀዲሙ ዝተመርዓወን ኣንስቲ ክረክብ ኣለዎ።
ኣሲፍ ነዚ ስለዘይገበረ እዩ ከኣ፡ ኣብ መርዕኡ ክቕጥቀጥን ህይወቱ ከድሕን ክመላጠጥን ዝወዓለ። እቲ ኣጋጣሚ ከኣ ብቪድዮ ተሰኒዱ እዩ።
እታ ናይ መጀመርያ ሰበይቱ ናብቲ ዳስ ምስኣተወት፡ ሓደ ካብ ስድራ ናይታ ሓዳሽ መርዓት "እንታይ እዩ ነይሩ ዛሓፍተይ?" በላ።
እታ ማዲሃ እትበሃል ቀዳመይቲ ሰበይቲ ኣሲፍ፡ ነቲ ጉዳይ ክተብርህ ግዜ ኣይወሰደላን።
"ሰብኣየይ እዩ፤ ነዚ ወደይ ከኣ ኣቡኡ እዩ። ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ሃይደርኣባድ መገሻ ይኸይድ ኣለኹ ኢሉኒ እዩ ወጺኡ" ክትብል ተዛሪባ። ወድና እዩ ዝበለቶ ቆልዓ ከኣ ምስኣ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Social media
ስድራ ናብ ውሽጢ ኣእትዮም ምስ ኣዘረብዋ ከኣ ነቲ ዝርዝራት ነጊራቶም። ኣብ 2016 ከምዝተመርዓወቶን፡ ኣብ 2018 ከኣ ንሳ ከይፈለጠት ካልእቲ ሰበይቲ ምምርዓዉን ተዛሪባ።
ድሕሪ'ዚ፤ ኣብቲ ዳስ እንታይ ከምዘጋጠመ ንጹር ኣይኮነን።
ናብቲ ዳስ ግን ፖሊስ ተጸዊዑ መጺኡ። ፖሊስ ከምዝብሎ፡ ስድራ ናይታ መርዓት ንኣሲፍ ቀጥቂጦምዎ።
ፖሊስ ነቲ መርዓዊ ካብ ቀጥቀጥቱ ኣናጊፎም ናብ መደብር ፖሊስ ወሲዶምዎ - እንዳሕምኡ ድማ ስዒቦምዎ ከይዶም ካብቲ መደብር ፖሊስ ክሳብ ዝወጽእ ተጸብዮምዎ።
ቅልቅል ምስበለ፡ ዘሊሎም ከጓይዩዎ ጀመሩ። ንሱ ከኣ ናብ ትሕቲ ደው ዝበለት መኪና ኣትዩ ተሓቢኡ። ኣብቲ ቪድዮ 'ንዓ ውጻእ፡ ተዘየሎ ነታ መኪና ብሓዊ ክነንድዳ ኢና' ክብልዎ ይስማዕ።
ብፍርሒ "ጽንሑ፡ ጽንሑ" እናበለ እናተፍሓኸ ክወጽእ ከሎ ከኣ፡ ካልኦት ሰባት መጺኦም ኣናጊፎምዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







