ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፡ ዳኒኤል ሞይ ኣብ 95 ዓመቱ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, TORSTEN BLACKWOOD
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፡ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ፡ ኣብ 95 ዓመቱ ዓሪፉ።
ካልኣይ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ዳኒኤል ሞይ፡ ናብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ከምዝሞተ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብ 1978 ክሳብ 2002፡ ን24 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ሞይ፡ ካብ መራሕቲ እታ ሃገር፡ ንዝበዝሐ ዓመታትኣብ ስልጣን ዝጸንሐ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ሞት ፈላማይ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ጀሞ ኬንያታ ናብ መሪሕነት ዝመጸ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ፡ ነታ ሃገር ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓደረሎም ልዕሊ ዕስራ ዓመታት፡ ብሓደ ገጽ ነታ ሃገር ናብቲ ሐዚ እትርከበሉ መገዲ ለውጢ መሪሕዋ ዝብሉ፡ ብኻሊእ ገጽ ድማ ግዘ ስልጣኑ ዘበነ ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝነበረ ዝገልጹ ኣለዉ።
ብፍላይ እቲ ኣብ 1982 ዓ.ም.ፈ ኣበ ልዕሊኡ ዝተፈተነ ዕልዋ፡ ናብ ውልቀ መላኽነት ከምዝቐየሮን፡ ብዙሓት ሰባት ክእሰሩን ዓሌታዊ ጎንጺ ክለዓልን ምኽንያት ከምዝኾነ ይዝረብ።
ኣብ ኬንያ ብዙሓት ፈተውቲ ከፍርይ ከምዝኸኣለ ዝዝረበሉ ዳኒኤል ሞይ፡ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ስግኣት ኩናት ናብ ሰላም ክቕየር ብምግባር 'ውን ሽሙ ብጽቡቕ ዝጽዋዕ እዩ።
ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝመጾ ጸቕጢ ኣብ 1992፡ ሕብረ-ሰልፋዊ መረጻ እኳ እንተኣካየደ፡ ድሕሪ እቲ መረጻ ብዙሕ ጎንጺ ከም ዝሰዓበ ይግለጽ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ምስ ምትንፋስ ብዝተሓሓዝ ጸገም ናብ ሆስፒታል ይመላለስ ከምዝነበረን፡ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ድማ ብሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ በሞት ዳኒኤል አራፕ ሞይ ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገልጽ መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







