'ቀዳማይ ሚኒስተር ናቱ ካቢነ ሚኒስተራት ክመርጽ ይኽእል'ዩ፡ እንተደሊኹም እለዩኒ'- ዶ/ር ኣብዪ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብድሆታትን፡ ቀንዲ ኣዘራረብቲ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት መብርሂ ሂቡ'ሎ።
ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዘቕረብዎም ሕቶታት፡ ብዛዕባ ጭውያ ተምሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቭረሲቲ፡ ዘይሕጋዊ ምግባት መሬት፡ ጭውያ፡ ስእነት ጸጥታ፡ ሃገራዊ ምርጫ 2012 (2020)፡ ክልል ናይ ምዃን ሕቶታት ዝብሉ ይርከብዎም።
ናብ ክልል ትግራይ ክኸዱ ዝሓሰቡ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ናብ ትግራይ ከይከዱ ስለመንታይ ተኸልኪሎም፡ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ስለምንታይ ከም ዝውገዱ ተገይሩ ዝብሉ ሕቶታት'ውን ኣቕሪቦምሉ ነይሮም።

መልሲ ቀዳማይ ሚኒስተር
ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት መልስን መግለጽን ቅድሚ ምሃቡ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ መንግስቱ እንታይ ዓይነት ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝጸንሐን፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባባት ኣብሩሁ።
ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ብዝተሓላለኸ 'ኔትዎርክ' (መርበብ) ዝተተሓሓዘ ምንባሩ ድሒሩ ከም ዝተረድኦን፡ ንሱ (ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ) ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ነዚ 'ኔት ዎርክ' ንምብትታኽ ይጽዕር ከምዘሎን፡ እንተኾነ ነዚ 'ኔት ዎርክ' "ንምብትታኽ" ንመንግስቲ ዓቢ ፈተና ኮይንዎ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።
"እቲ 'ኔትዎርክ' ክሳብ ታሕተዎት ጽፍሕታት መንግስቲ ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ክደሊ እንከሎ ዝኾነ ሰብ ከምዘይንቀሳቐስ ክገብር ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ" ኢሉ።
"እዚ ዝተሓላለኸ 'ኔት ዎርክ' ንኽንርድኦ ኣጸጋሚ'ዩ ነይሩ፡ ነዚ 'ኔትዎርክ' ምብታኽ መከራ እዩ፡ ነዚ 'ኔትዎርክ' ረኪብና ክንበታትኾ ኣብ ዝጀመርናሉ ክሳብ ታሕተዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ከምዝዝርጋሕ ክንርዳእ ክኢልና።"
"ናይ ሽርሒ ፖሎቲካ ደው ምባል ሓርቢትና'ሎ፡ እንተኾነ ኢትዮጵያ ክትቅጽል ምዃና ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡ እዚ እንሰግሮ ፈተና እዩ"

ጭውያ ተምሃሮ ደምቢደሎ
ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጠዐ ፈጢሩ ዝርከብ ጭውያ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ "ቦኮ ሓራም ክጨዊ እንከሎ ኣነ ሓላፍነት ይወስድ ኢሉ ይእውጅ እዩ፡ ናይዚኦም ግን ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት እወስድ ዝበለ የለን" ብምባል ነቲ ጭውያ መን ከምዝፈጸሞ ከምዘይፍለጥ ሓቢሩ።
ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስትር ሰላም ከምኡ እውን ካብ ኩሎም ኣካላት ጸጥታ ዝተዋጽአ ኮሚቲ ምጽራይ ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር፡ እቲ መርመራ ምስ ተወድአ፡ ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ ።
"ምሉእ ሓበሬታ ኣብ ዘይብሉ መግልጺ ክንህብ ስለዘይደለና ኢና ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዶንጒና" እውን ኢሉ።
ኣብ ምዕራብ ወለጋን ጉጅን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእን፡ ስእነት ጸጥታን'ውን ተዛሪቡ'ሎ።
ኣብ ጉጂ ኣጋጢሙ ዝነበረ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣብዚ ሕጂ እዋን ይእለ ከምዘሎ ብምግላጽ ዘስግእ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ግን ብዙሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊጹ።
"ኩሉ ግዜ መፍትሒኡ ሰላም እዩ፡ እንተኾነ ንዲሞክራሲ ኢዳ ኣብ ዝዘርገሐት ሃገር ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክህሉ የብሉን" ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር "ሕጂ ንመንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ናብ ተጽዕኖ ዘእቱ ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንክኽበር ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ክልእኽ እንከሎ ፡"ስርሒት ገይርኩም ንብሃል"፡ ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰላም ንኸውሕስ ይሰርሕ የለን ንብሃል" ክብል ኣማሪሩ።
ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዘሎ ርክብ
ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ዝነበሩ ተጋሩ ካብ መዝነቶም ምውራዶም ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ሓንቲ ኣባል ናይቲ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይግበር ኣሎ ዝበለቶ ኣድልዎ ስለምንታይ ይፍጸም ኣሎ ክትብል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ሓቲታ ነይራ።
"ብልጽግና ድላዩ ክገብር ይኽእል እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እዉን ናቱ ካቢነ ሚኒስተራት ክመርጽ ይኽእል እዩ፡ ንስኹም እንተደሊኹም ንቐዳማይ ሚኒስተር ክትኣልይዎ ስልጣን ኣለኩም" ኢሉ።
"ብልጽግና ፓርቲ፡ ገዛኢ ሰልፊ'ዩ" ክብል'ውን ተሰሚዑ።
ካብኡ ሓሊፉ ግን ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተወለድቲ ትግራይ ብተናጸል ካብ ስልጣን ከምዝእለዩ ይግበር ኣሎ ዝብል ጌጋ እዩ ኢሉ።
"ልዕሊ ዓሰርተ ሚኒስተራትን ድኤታ ኣለዉ፡ ካብ ዝራሕ ደው ዝበለ የለን፡ ካልእ ሚኒስተርን ናይ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣፈጉባኤን ኣላ። . . . .ንህዝቢ ትግራይ ዘግለለ መንግስቲ ኣብ ኢትዮኢጵያ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፡ ንሕና እውን ከምዚ ዓይነት ኣይንፈቅድን ኢና" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ህወሓት ብፈዴራላዊ መንግስቲ ተደፉኡ እዩ ንዘብል ክሲ'ውን፡ ኣይፋል ብምባል "ህወሓት ኣይደፋእናዮምን፡ ኣብ ቀጻሊ'ውን ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና" ኢሉ።
ብዛዕባ'ቶም ናብ ትግራይ ከይከዱ "ዝተኸልከሉ" ቻይናውያን፡ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ድማ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ናይ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ምዃኑ ተዛሪቡ።
ምርጫ 2012 (2020)
እቲ ምርጫ ኣብ ክረምቲ ክካየድ የብሉን ንዝብል ስምዕታ፡ እቲ ቤት ምኽሪ "ቦርድ ምርጫ ተሓታትነቱ ንቤት ምኽሪ ስለዝኾነ፡ ነቲ ቦርድ ምርጫ ጸዊዕኩም ኣዘራርብዎ" ብምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መሊሱ።
"መንግስቲ ቅድሚ ምምስራቱ እቲ ምርጫ ሓደ ወርሒ ቀዲሙ ክካየድ ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ሕገ መንግስቲ ዝፈቕዶ'ዩ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦትዶ ይኹን ወርሒ ነሓሰ ንቦርድ ምርጫ ሕተትዎም፡ ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ናትኩም'ዩ።"
ጉዳይ ግድብ ህዳሰ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ኣብ ሞንጎ እዘን ሰለስተ ሃገራት (ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን) ልዝብ ክካየድ ምጽንሑ ብምግላጽ፡መንግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ናይ ምሽምጋል ሕቶ ኣቕሪቦም ከላዝቡ ከምዝጸንሑ ጠቒሱ።
"ካብ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ምምስጋን ዘድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ዝፈልጡናን ዓቕሚ ዘለዎምን ክንላዘብ እንከለና ክንሰማማዕ'ውን ጀሚርና ኣለና" ኢሉ።
እዘን ሰለስተ ሃገራት ናይ መወዳእታ እዩ ዝተባሃለሉ ስምምዕ ንኽፍርማ ምስ ተዳለዋ "ቅድሚኡ ሓፈሻዊ ምርድዳእን ዘተን ስለዘድሊ [ቅድሚ ምፍራም]፡ ዝብል ርእይቶ ስለዝሃብኩ እቲ ምፍርራም ጸኒሑ'ሎ" ኢሉ።
በዚ ኸኣ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ባንኪ ዓለምን ናይ ኣሜሪካ ሚኒስተር ፋይናንስን ብቴሌፎን ነዊሕ ከምዝተዘራረቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
"ክሳብ ሕጂ ዘለና ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተራት ኣብቲ ግድብ ዘለና መርገጺ ፍልልይ የብሉን" ድሕሪ ምባል "ንግብጺ ከይሃሰየ ንኢትዮጵያ ተጠቃሚት ዝገብር መንገዲ ክንክተል ኢና።
"ኣብዚ ናይ ኣሜሪካን ናይ ባንኪ ዓለምን መርገጺ እውን ተመሳሳሊ'ዩ፡ እዚ ዝኸውን እንተኾይኑ ኸኣ ብዙሕ ረድኤት ከምዝውሃበና ቃል ኣትዮሙልና ኣለዉ"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







