ፈላሚ ፈውሲ ኣለርጂ ፉል ብኣሃዱ ምቁጽጻር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ ተፈቒዱ

ስእሊ ዘይተቐረፈ ፉል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብዙሓት ቁጠዐ ሰብነት ዝፈጥር ፉል (መረሮ)

ኣሜሪካ ኣብ ህፃናት ፉል ብምምጋብ ንዝፍጠር ቁጠዐ (ኣለርጂ) ዝፍውስ ፈላሚ መድሃኒት ኣፅዲቓ።

እዚ AR101 ወይ ድማ ፓልፎሪዛ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ፈውሲ፡ ህፃናት ፉል ኣብ ዝምገብሉ ግዘ ንዝፍጠር ቁጠዐ ሰብነት (ኣለርጂ) ዝከላኸል እዩ።

እዚ ብኣፍ ዝውሰድ መድሃኒት፡ ንልዕሊ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝዕድመኦም ሕጻናት በብቁሩብ ምስ ፉል ከምዝምገቡ ይገብር፤ ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ብምምኻር ድማ መጠን እቲ ዝወስድዎ ፉል ክውሰኽ ከምዝከኣል ይግለጽ።

ድሕሪ'ዚ ተጠቀምቲ ብሰንኪ ፉል ንዝፍጠር ሃንደበታዊ ቁጠዐ ንምክልኻል፡ መዓልታዊ ዓቐን መድሓኒት ፓልፎሪዛ ክወስዱ ግድን እዩ።

ኪኢላታት ጥዕና መድሓኒት AR101 ምሉእ ብምሉኡ ንቑጠዐ ፉል ዝፍውስ ከምዘይኮነን፡ ብርቱዕ ቁጠዐ ሰብነት ዘለዎም ሰባት ፉል ከይወስዱን ኣጠንቂቖም።

ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሃገራት ምዕራብን ኣመሪካን ከም ፉል ብዝኣመሰለ ምግቢ ዝፍጠር ቁጠዐ (ኣለርጂ) እናወሰኸ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ናይ ፉል ቁጠዐ (ኣለርጂ) ንምክልኻል ዘኽእል መድሓኒት AR101 ወይ ድማ ፓልፎሪዛ፡ ብኣሃዱ ምቁጽጻር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ ዝጸደቐ ፈላሚ መድሃኒት እዩ።

እዚ መድሃኒት ግን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዛጊት ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ኣይተፈቐደን።

ብመልክዕ ሕሩጭ (ፓውደር) ተሰሪሑ ኣብ ምግቢ ብምንስናስ ዝውሰድ መድሃኒት ፓልፎሪዛ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 17 ዝዕድሚአም ሰባት ጥራሕ ንክወስድዎ እዩ ተፈቒዱ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመራመርቲ ኪንግ ኮሌጅ ለንደን፡ ብኣፍ ዝውሰድ መድሃኒት ቁጠዐ፡ መከላኸሊ እምበር ፈውሲ ክኸውን ስለዘይኽእል እቲ ቀንዲ መድሃኒት ሕሙማት ኣለርጂ ጥንቃቐ እንትገብሩ ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሮም ነይሮም።