ዘይፈልሐ ጸባ ንጥዕና ጠቓሚ ድዩ ጎዳኢ?

ልጅ ጸባ ዝሰትያ ኣደን ጓልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዘይፈልሐ፡ ብስነፍልጠት ድማ 'ፓስቸራይዝ' ዘይኮነ ጸባ ምስታይ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ናይ ኣካላትና ክብ ኪንዮ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ኣለርጂታት ምክልኻልን ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢን ሓጋዚ እዩ።

እንተኾነ ግን ጸባ ምፍላሕ፡ ናቱ ኣድላዪነት ኣለዎ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክቴርያ ንምቕታልን፡ ጸባ ከይተበላሸወ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክጸንሕን ሓጋዚ እዩ።

ኣብ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜን አየርላንድን ፓስቸራይዝ ዘይኮነ ጸባ፡ ኣብ ማዕከላት ዕዳጋ ኮነ ንኣሽቱ ድኳናት ምሻጥ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ። ንምዃኑ ጸባ ንጥዕና ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?

ብዙሓት ሰባት ጸባ ዝሰትዩ፡ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ማዕድናት ስለ ዝሓዘ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ጸባ ዝርከቡ ገለ ቪታሚናት፡ ሙቐት ክጻወሩ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ማለት ድማ ብሓዊ ዝሓለፈ ጸባ፡ ንኣካላትና ዝህቦ ጥቕሚ ብከፊል ኮነ ብምሉእ ይጠፍእ ማለት እዩ።

ሓደ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግና ጸባ ክነፍልሕ ከሎና፡ ነቲ ጥቕምታቱ ናይ ምጥፋእ ዕድላት ሒደት ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፤ ቪታሚን ቢ2 ዝተባህለ ማዕድን ብምኽንያት እቲ ሙቐት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ገለ ሰባት ድማ ዘይፈልሐ ጸባ ምስታይ ዝመርጹ፡ ንኣካላትና ዝጠቕሙ ባክቴርያታት ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዩ። ምፍላሕ ነቲ ጠቓምን ጎዳእን ባክቴርያ ይቐትል'ዩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ሓድሽ ካብ ላም ዝተሓልበ ጸባ ዝርከብ ቁጽሪ ጠቐምቲ ባክተርያ ብዙሕ ኣይኮነን። ጸባ ከይፈልሐ ንመዓልታት ክጸንሕ ከሎን ናብ ርግኦን ኣጅቦን ዝኣመሰሉ ፍርያት ምስ ተቐየረን ዝበዝሐ ጠቐምቲ ባክቴርያታት ይሕዝ።

ጸባ ኣብ ጥርሙስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመዳይ ኣለርጂታት ምክልኻልን፡ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክብ ኣብ ምባልን፡ ዘይፈልሐ ጸባ ብዙሕ ጥቕምታት ከም ዘለዎ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ዛጊት ኣዕጋቢ ውጽኢት ኣይተርኸበሉን።

ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ብሕርሻ ዝናበሩ ስድራቤታት ዘለዎም ናይ ኣለርጂ መጠን ትሕት ዝበለን ሕማም ናይ ምጽዋር ኣቕሞም ልዑል ምዃኑ ተረጋጊጹ'ዩ።

እንተኾነ ግና እዚ፡ ውጽኢት ዘይፈልሐ ጸባ ምስታዮም ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ርጉጽ ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ትካል ደረጃታት መግቢ ዓዲ እንግሊዝ ብወገኑ፡ ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ተጓዳእቲ ባክተርያታት፡ ምምራዝ መግቢ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። ወሲኹ'ውን ሕማም ናይ ምጽዋር ኣቕሞም ትሑት ዝኾነ ነፍሰጾራት፡ ህጻናትን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ዘይፈልሐ ጸባ ክጥዕሙ'ውን የብሎምን ይብል።

ዘይፈልሐ ጸባ፡ ሳልሞኔላ፡ ኢኮላይን ካምፒሎባክተር ዝበሃሉ ተጓዳእቲ ባክተርያታት ይርከብዎ።

ዘይፈልሐ ጸባ ምስታይ ንጥዕና ሓደገኛ እዩ ይብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰሬይ ዓዲ እንግሊዝ መምህር ማይክሮባዮሎጂ መገቢ ዝኾነ ዶክተር ዮርግ ጉቴሬዝ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክተርያታት ሕማማት መዓናጡ ከስዕቡን ናብ ሞት ከብጽሑን ከም ዝኽእሉውን የረድእ።