ንወለደይ ስለምንታይ እየ ስጋ ምብላዕ ደው ከምዘበልኩ ዝሓባእኩሎም?

ሱሙያ

ምንጪ ስእሊ, SUMAYA

ስጋ ብምሕራምን ኣሕምልቲ ጥራይ ምምጋብን ንጥዕና ጽቡቕ ከምዝኾነ ብዙሓት ይዛረቡ። ገለ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣሕምልቲ ጥራይ ምምጋብ ንጥዕና ጽቡቕ ኣይኮነን ይብሉ።

ምኽንያቱ፡ ካብ ስጋን ውጽኢት እንስሳታትን ዝርከብ ንጥዕናና ጠቀምቲ ዝኾኑ መኣዛ ዘለዎም ነገራት ስለዘይንረክብ- ይብሉ።

እቶም ቬጋናውያን ድማ፡ ነቲ ካብ ስጋ ክንረኽቦ ዝግብኣና መኣዛ ዘለዎ ነገራት ካብ ኣሕምልቲ፣ እኽልታት፣ ካዕካዕን ፍራምረን ክንረኽቦ ንኽእል ይብሉ። ቬጋናውያንን ማለት'ውን ኣሕምልቲ ዝምገቡ ሰባት እንተላ ኣመንቲ ሂንዱ ስጋ ጨሪሶም ኣይበልዑን እዮም።

ስጋ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ዓይነት ፍርያት እንስሳታት - ጸባን እንቃቁሖን - ኣይበልዑን እዮም። እቶም ኣሕምልቲ ዝምገቡ [ቬጂተርያን] ግና ካብ ስጋ ክሕረሙ ከለው ኩሉ ውጽኢት እንስሳታት ይበልዑን ይሰትዩን እዮም።

ሱማያ ዝተባህለት ሶማልያ ዝመበቆላ እንግሊዛዊት ንወለዳ ስጋ ምብላዕ ደው ከምዘበለትን ካብ ሕጂ ንድሓር ኣሕምልቲ ጥራይ ክትምገብ ምዃና ምስሓበረቶም፡ ኣዲኣ ብዓይኒ ተቓውሞ፡ እንታይ ኢኺ ትብሊ ዘሎኺ? 'ጽባሕ ድማ መቕንዓትኪ [ሒጃብኪ] ክትድርቢዪ ኢኺ' ማለት እዩ ኢላታ።

በቲ ናይ ኣዲኣ ተቓውሞ ዝተገረመት ሱማያ፡ ``ኣደይ ክምኡ ክትብል ኮላ ዘርኣየቶ ኣካላዊ ምንቅስቓሳታ ቀዲሐያ ነይረ እንተዝኸውን ከመይ ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ዘርኣየቶ ተቓውሞ ልክዕ ከም ሰብ ከምዝቐተልኹ እዩ ነይሩ`` ኢላ እታ ጓል 18 ዓመት ሱማያ።

ኣነ ግና ሰብ ኣይቀተልኩን። እቲ ዝገበርኩዎ ድማ ካብቲ ኣደይ ዝበለቶ ጨሪሱ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።

ልክዕ ከምቶም ብዙሓት እንግሊዛውያን፡ ሱማያ ዝተፈላለየ እትሕበነሎም መንነታት ኣለዋ። እንግሊዛዊት፡ መቕንዓት [ሒጃብ] እትጥቀም ኣማኒት ምስልምናን ሶማል ዝመበቆላን ክትከውን ኮላ፡ ኣብዚ ቀረባ ድማ ስጋ ጨሪሳ ምብላዕ ደው ዘበለት መንእሰይ ኢያ። [ብቛንቋ እንግሊዝ ቬጋን ኮይና]።

ኣብዚ እዋን ኣስታት 600 ሽሕ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡ እንግሊዛውያን ኣለው። ብመሰረት ኣብ 2019 ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ኣብ 2006 ዝነበረ 150,000 ቁጽሪ ናብ 600,000 ደዪቡ ይርከብ።

እንተኾነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡ ኣመንቲ ምስልምና ገና ኣይተመዝገበን ዘሎ። ኣመንቲ ምስልምና ኣሕምልቲ ምምጋብ ከምዝጀመሩ ክገልጹ ከለው ኣዝዩ ዘገርም ተቓውሞ እዩ ዘጓንፎም። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣብዚ እዋን ሰባት ኣብ ቅዲ ኣነባብርኦም ዘርእይዎ ዘለው ለውጢ ንብዙሓት ሓድሽ ስለዝኾነ።

ኣብ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ምስልምና ስጋ ምብላዕ ሓላል፡ ቅቡል ስነ ምግባር ኣብ እምነት ምስልምና ክኸውን ከሎ፡ ነዚ ቅቡል ስነ ምግባር ምንጻግ ድማ ኣንጻር ድልየት ኣምላኽ ምኻድ ኮይኑ ስለዝርአ ድማ ሓራም [ሓጥያት] ይብሃል።

ሃምበርገር እናበለዓት

ምንጪ ስእሊ, SUMAYA

ወለዲ ሱማያ ከመይ ገይሮም ፈሊጦም?

ሱማያ ስጋ ምብላዕ ደው ከምዘበለት ዳርጋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ወለዳ ብምስጢር እያ ሒዛቶ ጸኒሓ። ሓደ ምሸት ኣቦኣ ንኸሐጉሳ ክብል ካብ ቤት ብልዒ ዝተጠብሰ ስጋ ደርሆ ኣምጺኡላ።

ሽዑ፡ ሱማያ ጓል 16 ዓመት እያ ነይራ። ዓካርዓካሪታ ተሃስያ ስለዝነበረት ድማ እዩ ከሐጉሳ ጽቡቕ ድራር ዝተማልኣላ። ``ገዛ ምስ መጸ፡ እቲ ትፈትውዮ ዓይነት መግቢ ኣምጺአልኪ ኣሎኹ`` ክብልኒ ከሎ ይዝከረኒ።

ቅድሚ ቅሩብ ደቓይቕ ዝስምዓ ዝነበረ ጥምየት፡ ብናይ ሻቕሎት ስምዒታት እዩ ተተኪኡ። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሚስጥር ሒዛቶ ዝነበረት ኩነታት ኣብ ቅድሚ ወለዳ ከተግህዶ ግዚኡ እዩ ነይሩ።

ሱማያ ኣብ ውሽጢ ብምስልምና እትኣምን ስድራቤት ሶማል እያ ዓቢያ። ስጋ ድማ እቲ ዝዓበየ መዓልታዊ መግቢ እታ ስድራ ቤት እዩ ነይሩ።

``ኣብ እዋን ቁርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ስጋ ጥራይ ኢና ንበልዕ`` ኢላ ሱማያ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዝሒ ኣመንቲ ምስልምና ኣስታት 4.6 ሚኢታዊት ክኾኑ ከለው፡ 20 ሚኢታዊት ስጋ ዕየትን ስጋ በጊዕን ከምዝበልዑ ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እያ ሱማያ ኣብ ኣመጋግብኣ ለውጢ ክትገብር ዝወሰነት።

``ናይ ሰባት ቅጥዒ ኣመጋግባ ንምዕዛብ ዮትዩብ ምስከፈትኩ፡ ሜጣጓት ኣዋልድ እየ ተዓዚበ። እቲ ዝራእኹዎ ቪድዮታት ድማ ሕማቕ ኣይነበረን። እተን ሜጣጓት ኣዋልድ ድማ ኣብቲ ቪድዮታት 'ከማና ክትመስላ እንተደሊኽን ኣሕምልቲ ብብዝሒ ክትበልዓን ስጋ ምብላዕ ድማ ከተውሕዳን ኣሎክን' ይብላ ነይረን።``

ሱማያ ኣሕምልቲ ጥራይ ምብላዕ ምስጀመረት ጥዕንኣ ከምዝተመሓየሸ ትዛረብ።

ቅድሚ ስጋ ምብላዕ ደው ምባላ ድማ ኣስካላ ምድያብ የጸግማ ከምዝነበረን፡ ኣብእትድይበሉ እዋን ድማ እንቅዓ-እንቅዓ ተተንፍስ ከምዝነበረት ተዘንቱ። "ሕጂ ኣሕምልቲ ምምጋብ ምስጀመርኩ ድማ ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ`` ኢላ ሱማያ።

``ስለምንታይ ኢኺ ነቲ ዘምጻእኩልኪ መግቢ ዝተሓሰምኪዮ፡ እዚ ንዕቐት ኢዩ`` ኢሉኒ ኣቦይ።

ሱማያ ኣሕምልቲ ምምጋብ ምስጀመረት ናታ ገጽ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድሕሪ ምኽፋታ፡ ካብ ዝተወሰኑ ኣመንቲ ምስልምና፡ ናይ ደግፍ መልእኽታት ክትረክብ ጀሚራ።

``ገለ ካብቶም ናይ ደገፍ መልእኽቲ ዝሰደዱለይ ኣመንቲ ምስልምና፡ ቬጋን ምዃን ኣሕምልቲ ምብላዕ ጥራይ ከምዘይኮነን፡ ካብ ኣሕምልቲ ከባብን ኬክን ክስራሕ ከምዝኽእል ስለዘርኣኽና ድማ ነመስግነኪ ኢሎምኒ`` ኢላ ሱማያ።

ካልኦት ኣመንቲ ምስልምና ድማ ቬጋን ብምዃንኪ ገሃንም ኢኺ ትኣትዊ ክብሉኒ ከለው ካልኦት ድማ ``ምስ ሞትኪ ሬሳኺ ብኣትማን ክብላዕ ኢዩ `` ኢሎሙኒ ኢላ ሱማያ።

'ወዲ ነይረ እንተዝኸውን እዚ ኹሉ ኣደራዕን ነቐፌታን ኣይምወረደንን ነይሩ' ኢላ ሱማያ።

"ኣነ ኣሕምልቲ ምብላዕ ዝጀመርኩ ጥዕናይ ንምሕላው ኢዩ። ኣማኒት ምስልምና ኮይነ፡ ኣሕምልቲ ጥራይ ክምገብ ድማ ይኽእል። ክልቲኡ ብማዕረ ከካይዶ ድማ ይኽእል"።

ስጋ ምብላዕ ዳርጋ ንሚልዮናት ኣመንቲ ምስልምና ንቡር መዓልታዊ መግቦም ክኸውን ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ብዓል ዒድ ኣል ኣድሓ በጊዕ ምሕራድ ዳርጋ ምስ እምነት ምስልምና ይተሓሓዝ። ኣብቲ ብዓል በጊዕ ምሕራድ ምስቲ ኣምላኽ እምነት ናይ ነቢይ ኣብርሃም ንምምዛን ወዱ ንኽስውእ ዘቕረበሉ ጠልብን ኣብርሃም ድማ ዘርኣዮ ቅሩብነትን እዮም ዝተሓሕዝዎ።

ኣብ ገለ ሃገራት እቲ ብዓል፡ ነቲ ኣብርሃም ወዱ ንምስዋእ ዘርኣዮ ቅሩብነት ንምንጽብራቕ፡ በጊዕ ወይ ጤል ምሕራድ ከም ልምዲ`ዩ ተወሲዱ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ ማሕረዲ ኣብ ምሕራድ ስጋ እዩ ዝካየድ። ብመሰረት እቲ ባህሊ ድማ እቲ ስጋ ምስ ኣዝማድን የዕሩኽን በተኻትን ይማቐልዎ።

ዓይነት መግቢ

ምንጪ ስእሊ, SUMAYA

ኣሕምልቲ ምብላዕ ንጽዓዱ ምምሳል ዲዩ?

ማራ፡ ዝተባህለት ፓኪስታን ዝመበቆላ እንግሊዛዊት፡ ኣሕምልቲ ምብላዕ ምስጀመረት፡ ገለ ሰባት ``እዚ ጽዓዱ ዘዘውትርዎ ባህሊ ኢዩ`` ይብልዋ ነይሮም። ንሳ ድማ እዚ ``ብላሽ ኣተሓሳስባ እዩ`` ትብሎም ነይራ።

ኣመንቲ ምስልምና ኣሕምልቲ ምብላዕ ምስዝጅምሩ ኢዩ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ዝተሓላለኽ። ኣሕምልቲ ምምጋብ ምስ እምነት ምስልምና ተሳኒዮ ይኸይድ ዲዮ?

እታ ጓል 23 ዓመት፡ ተቐማጢት ቢርሚንግሃም ዝኾነት ኣማኒት ምስልምናን ተመጋቢት ኣሕምልትን፡ "ድማ እወ ምምጋብ ኣሕምልትን እምነት ምስልምናን ክልቲኦም ተሰኒዮም ክኸዱ ይኽእሉ'ዮም" ትብል።

``ከም ኣማኒት ምስልምና፡ ቅድሚ ስጋ ምብላዕና ነቶም እንስሳታት ብጽቡቕ ክንሕዞም ኣሎና ትብል ማራ። እንተኾነ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም እቲ ዝበልኩዎ ይፍጸም ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ስለዚ ነቶም እንስሳታት ብጽቡቕ ዘይንሕዞም እንተድኣ ኮይና፡ ስጋ ክንበልዕ የብልናን`` ትብል ማራ።

ማራ ኣብ ብምስልምና ዝኣምኑ ፓኪስታናዊ ስድራቤት እያ ስጋ እናበልዐት ዝዓበየት። ስጋብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት፡ ኣብ ኔትፍሊክስ ብዛዕባ ጥዕና ዝቐረበ ሰነዳዊ ፊልም ምስረኣየት እያ ብዛዕባ ስጋ ምብላዕ ዘኸትሎ ጥዕናዊ ጸገማት ዘቕለበትሉ።

እቲ ኣብ 2017 ብዛዕባ ምብላዕ ኣሕምልቲ ዘለዎ ረብሓታትን ስጋን ፍርያት ጸባን ምዝውታር ድማ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ እተብርህ ሰነዳዊ ፊልም ናብ ህዝቢ ዝቐረበት።

ማራ፡ ነታ ፊልም ምስረኣየት፡ ከይወዓለት ከይሓደረት ሽዑን ሽዑን ኢያ ኣሕምልቲ ክትምገብ ዝወሰነት። ፍርያት እንስሳታት ምዝውታር ደው ምስኣበለት ኢያ ድማ ኣብ መሰል እንስሳታት ተገዳስነት ከተሕድር ዝጀመረት።

''እምነት ምስልምና ጭካነ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ምርእይ ኣይኣምንን ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ብዓል ዒድ ኣል እድሓ ዝግበር ባህላዊ ማሕረዲ እንስሳታት፡ ነቶም ኣሕምልቲ ዝበልዑ [ቬጋን] ኣመንቲ ምስልምና ንምርድኡ ይሽገሩ።

እቶም ብማሕረዲ ኣንስሳታት ዝሻቐሉ ገለ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ክንዲ ኣብ እዋን ዒድ ኣል ኣድሓ በጊዕ ወይ ድማ ጤል ዝሓርዱ፡ ግዚኦም ንጽጉማት ኣብ ምሕጋዝ የሕልፉን፡ ገሊኦም ድማ ንገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ናይ ገንዘብ ወፈያ ይገብሩ። እነ'ውን kkከምኦም ኢየ ክገብር'' ኢላ ማራ።

ማራ

ምንጪ ስእሊ, MARA

ወለዲ ማራ፡ ንውሳኔኣ ክድግፉ ከለው፡ ገለ ድማ ልክዕ ከምቲ ንሱማያ ዘጓነፋ ኣንጻር እምነት ምስልምና ካይድኪ ኣሎም ክወቕስዋ ተሰሚዖም።

''ገለ ዝፈልጦም ሰባት፡ ስለምንታይ ኢኺ ንነቢይ ሙሓመድ ትነጽጊዮ ዘሎኺ? ነቢይ ሙሓመድ ጌጋ ነይሩ ማለትኪ ዲዩ? ከምዝብሉኒ እፈልጥ ኢየ'' ኢላ ማራ።

ነዚኦም ከምኡ ዝብልዋ ዝነበረ ክትምልስ ኮላ፡ ''90 ሚኢታዊት ናይ ነቢይ ሙሓመድ ኣመጋግባ ኣብ ተኽልታት - ተምርን ስገምን - ዝተመርኮሰ ከምዝነበር ትፈልጡ ዶ? ሳሕቲ ኢዩ ስጋ ዝበልዕ ዝነበረ'' ኢላ ማራ።

ኣነ ፓኪስታናዊት ኣማኒት ምስልምና ኢየ። ነቶም ኣሕምልቲ ጥራይ ምብላዕ [ቬጋን ምዃን] ናይ ጸዓዱ ባህሊ ኢዩ ዝብሉኒ፡ እቲ ኣበሃህላ ዋጋ ዘይብሉ ኣበሃህላ ኢዩ ኣብሎም ኢላ ማራ።

መርገጺ ምስልምና ኣብ ቬጋኒዝም [ኣብ ኣሕምልቲ ጥራይ ምምጋብ] ክፈልጥ እደሊ። ኣሕምልቲ ጥራይ ምብላዕ ምስ እምነት ምስልምና ተሳኒዩ የኸይዶ? ኣማኒ ምስልምና ኮይና ቬጋን ክትከውን ትኽእል ዶ?

ንወዲ 33 ዓመት፡ ኢማም ስየፉ-ኣል-ኣሕመድ ነዘን ሕቶታት ሓቲተዮ። ንሱ ድማ፡ ''ተሳኒዮም ከምዝኸዱን፡ ኣሕምልቲ ምምጋብ ጌጋ ከምዘይኮነን ኣረጋጊጹለይ። ኣብ እምነት ምስልምና፡ እቲ እንበልዖ ኩሉ ሓላል ክኸውን ከምዘለዎን፡ ኣሕምልቲ ምብላዕ ድማ ሓላል ከምዝኾነ ኢዩ ገሊጹለይ።''

ብዛዕባ ኣብ ብዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ዝግበር ማሕረዲ ድማ፡ ናይ ግድን ኣይኮነን ማሕረዲ ከተካይድ፡ ኣብ ክንድኡ ንገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ገንዘብ ከተወፊ ትኽእል፡ ከምቲ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ዓዲ እንግሊዝ ዝገብርዎ።

ናብ ስድራ ቤት ሱማያ ምስ እንምለስ፡ ወለዳ ነቲ ውሳኔኣ ከምዝደገፍዎን፡ ስጋ ምብላዕ'ውን ነኪዮም።

እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ብዛዕባ ቬጋኒዝም ዘለዎ ኣፍልጦ ድሩት ኢዩ። ንሕና ኣባላት እዚ ሓድሽ ወለዶ ንሓበሬታ ቅርበት ስለዘሎና ድማ ብዙሕ ብዛዕባ ቬጋኒዝም ንፈልጥ። ኣብቲ ዓበይቲ ዝበልዎ ከም ቅቡል ዝውሰደሉ ባህሊ፡ ነቲ እንኽተሎ ሓድሽን ቅኑዕን መንገዲ ነቶም ዓበይቲ ንምርዳእ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ።