ስለምንታይ ዝኣክል በሊዕና እንከለና ጥምየት ዝስምዓና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመጋግባና፡ ስርዓት ዝሓለወ፣ ዝተመጣጠነ ዓይነት ዝሓዘ፣ ቀልጢፍካ ምብላዕ ደው ምባል፡ ነቲ በሊዕና ከለና ዝስምዓና ናይ ጥምየት ስምዒታት ደው ከብልዎ ይኽእሉ።ኣብ ብዓላት ኣጽዒቕና ድሕሪ ምብላዕና ንታኸሰን ላህዘዝ ንብልን።
ንጽባሒቱ ኣብ እዋን ምሳሕ ግና፡ ንጥብሲ ዝኸውን ቦታ ከምንረክብ ርግጸኛታት ኢና።
እቲ ዘገርም ግና ኣጽዒቕና ድሕሪ ምብላዕና፡ ንጽባሒቱ ድማ ማዕረ ዓቐን ዘለዎ መግቢ ክንበልዕ ምኽኣልና ኢዩ።
ስለምንታይ ኢና ግና ኣብ ብዓላት ኣጽዒቕና በሊዕና ከለና ጥምየት ዝስምዓና? ኣጽዒቕካ ምብላዕ ከብድኻ ይግትሮ ዲዩ? ስለ ዝግትሮ ዲዩ ንጽባሒቱ ማዕረ ዓቐን ዘለዎ መግቢ ኽትበልዕ እትኽእል? ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ምብላዕ ክሓስብ ከለና ጥምየት ዝስምዓና።
ናይ ጥምየት ስምዒታት ከመይ ኢዩ? ኣብ ውሽጢ ኣካላትካ ዝፍጠር ፊዝዮሎጂካል ምቅይያር ኢዩ ምስ ጠመኻ ንኽትበልዕ ዘገድደካ።ዓቐን ናይ ከስዐኻ [ስቶማክ] ምስ ጸገብካን ወይ ድማ ምስ ጠመኻን ይቀያየር ኢዩ።
ከስዕኻ ነቲ ዝበላዕካዮ መግቢ ኣሕቂቑ ናብ መዓናጡኻ ኣብ ዘመሓላልፈሉ እዋን ይጭበጥ ኢዩ።
እቲ ዝበላዕካዮ መግቢ ምስ ኣየር ተሓዋዊሱ ናብ መዓናጡኻ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ከስዕኻ ናይ ምጉሩምራም ድምጺ የስምዕ።
መብዛሕትኡ ግዜ ክስዕኻ ናይ ምጉሩምራም ድምጺ ምስ ዘስምዕ ዝጠመኻ ኮይኑ ይስምዓካ።
ድሕሪ ምጉሩምራም፡ ክስዕኻ ስለዝገፍሕ ንኽትበልዕ ትዳሎ። እዚ መስርሕ'ዚ በቶም ዋህዮታት [ሴልስ] ዝፈጥርዎ ኬሚካል [ሆርሞን] ኢዩ ዝብገስ። ውሑድ ሓይሊ [ካሎሪ] ዝህቡ ዓይነት መግብታት ምስ እንምገብ ኣካላትና ነቲ ብግርሊን ዝፍለጥ ሆርሞን (ghrelin) ይፈጥሩ'ሞ፡ ዋላ ዝኣክል በሊዕና ከለና ጥምየት ከም ዝስምዓና ይገብሩ።
እቲ ምብላዕ ከስዕኻ የግፍሖ'ዩ ዝብል ብሂል ሓቂ ኣይኮነን።
ክስዕና ተመጣጣይ ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ ኣጽዒቕና ምብላዕና ናብቲ ናይ ንቡር ዓቐኑ ይምለስ።
እቲ ዘገርም፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ዓቐን ከስዓዖም ዋላ ብዙሕ ይብልዑ ኣይብልዑ ኣይቅየርን ኢዩ።
ጥምየት ምስ ዝስምዓና፡ ከስዕና ግርሊን ዝብሃል ሆርሞን ነቶም ኣብ ሓንጎልና ዝርከቡ ኤንፒዋይን ኣግረፕን ዝብሃሉ ሆርሞናት የበራብሮም።
እዞም ክልተ ሆርሞናት ኢዮም ድማ ጥምየት ወይ ድማ ጽጋብ ክስምዓና ዝገብሩ።
ኣብቶም ዕባራታት እቲ ዓቐን ናይ ግርሊን ሆርሞናት ልዑል ክኸውን ከሎ ኣብቶም ከሳዓት ድማ ትሑት ይኸውን።
ብዙሓት፡ እቶም ጥምየት ዘበራብሩ ሆርሞናት ኣብቶም ብዙሕ ዝበልዑ ዝያዳ ይኾኑ ይብሉ።
እንተኾነ፡ ተፈጥሮ ኣካልትና ስጋብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ከም ዝኾነ የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
''ድሕሪ ድራር፡ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢልካ ቴሌቪዥን እናራእኻ ኣብ ትዘናግዓሉ እዋናት፡ ገለ ጥዑም ነገራት ቆርጠምጠም ምባል ንኸስዕኻ ምስ ተላመዶ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ሶፋ ኮፍ ኣብ ትብለሉ ናይ ምብላዕ ሸውሃትካ ይበራበር። ዋላ ጸጊብካን ሓይልኻ ምሉእ እንከሎን ክትበልዕ ትደሊ'' ትብል ተማራማሪት ዩኒቨርስቲ ሴተርዳታ ካሮላይን ቫን ዴን ኣከር።
ዝያዳ ምብላዕ ሕማቕ ኣይኮነን ትብል ካሮላይን። እንተኾነ ሰባት ከም ሕማቕ ልምዲ ስለ ዝወስድዎ ነቲ ልምዲ ደው ከብልዎ ይደልዩ።
እንተኾነ እቲ ናይ ምብላዕ ሸውሃት ነቲ ድልየት ንምትግባሩ ኣሸጋሪ ይገብሮ።
ብፍላይ ምቁር መግብታት ኣብ ትርእየሉን ተሽትተሉን ናይ ምብላዕ ሸውሃትካ ይኽፈትን ክትበልዕ ድማ ትሓስብ።
ሓደ ኣብ ኣኽላባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቶም እኽላባት ኣብ ናይ ዝምገብሉ ስዓት ደወል ስለ ዝድውልሎም ምብላዕ ምስ ደወል የተሓሕዝዎ። ደወል ክድወል ከሎ ድማ ክልዝዩ ይጅመሩ።
ደቂ ሰባት ካብ ኣኽላባት ብዙሕ ኣይፍለዩን ኢዮም።
ሓደ መጽናዕቲ፡ ዝተፈላለየ ቅርጽታት ነቶም ሰባት የርእይዎም፡ ትርብዒታዊ ቅርጺ ክርእዩ ከለው ቾኮሌት ስለ ዝውሃቦም ዝነበረ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ትርብዒታዊ ቅርጺ ከርእይዎም ከለው ቾኮሌት ንኽበልዑ ይጉምጅው።
እንተድኣ ቀልጢፍና ናይ ምብላዕ ልምዲ ኣሎና ኮይኑ፡ ቅልጢፍና ዝጸገብና ኮይኑ ይስምዓና እሞ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ዋላ ብዙሕ በሊዕና ከለና ጥምየት ይስምዓና።
ስለዚ፡ ነዚ ባህርያት'ዚ ንምቕያር፡ ኣብ እንምገበሉ እዋን ምስቶም ኣብቲ መእዲ ምሳና ዝምገቡ ዕላል ምጅማር፡ ኣብ መንጎ ድማ ቅሩብ ማይ ምስታይ ነቲ ቀልጢፍካ ናይ ምብላዕ ባህርያት ደው ንምባሉ ይሕግዙና።
እቶም እንምግቦም ዓይነት ምግብታት'ውን ወሳንነት ኣለዎም።
ዝያዳ ኣሕምልቲ፣ ዕፉን፣ ብሮኮሊ፣ ካብ ጥረምረ ድማ ዓይኒ ዓተር፣ ባልዶንጓ፣ ካዕካዕ፣ ፍሩታን ድንች ምስ ቆርበቱን ምብላዕ'ውን ጥምየት ቀልጢፉ ከይስምዓና ይሕግዙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







