ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ናይ ጫካ ጒዕዝኦም ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ 195 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ንሽድሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ጫካ ጉዕዞ ጀሚሮም።
እቶም ፕረዝደንት ነዚ ጉዕዞ ዘካይዱ ዘለዉ፡ ነቲ ቅድሚ ስልጣን ምሓዞም ኣብ 1986 ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ኣንጻር ኢዳ ኣሚንን ሚልቶን ኦቦቴን ንምዝካር ዝዓለመ እዩ።
ይኹን'ምበር፡ ነዚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝተቓወሙ ሓደሓደ ሰባት፡ እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንሻድሻይ ግዘ ንምውድዳር፡ ከም ጎስጓስ ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ መናውራ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
ውሩይ መዚቐኛ ቦቢ ዋይን እውን፡ ንፕረዝደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ብምቕዋም ኣብ ቅድሚት እዩ ዝስራዕ።
ሙሰቨኒ እዚ ናይ ሽድሽተ መዓልታት ጉዕዘኦም፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ትርከብ ከተማ ቢሬምቦ ክዛዝሙ እዮም።
ከተማ ቢሬምቦ፡ ኣብ ግዘ ፕረዚደንት ሚልቶን ኦቤቴ፡ ከቢድ ኵናት ዝተኻየደላን ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑላን ከተማ እያ።
ዋሃቢ ቃል እቶም ፕረዝደንት ዶን ዋንያማ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ጉዕዞ "እዚ ፕረዚደንት ዘገብሮ ዘሎ ጒዕዞ፡ ብሕሉፍ ተዘክሮታት፤ ነዚ ዘሎ እዋን ንምንኣድ ዝዓለመ እዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ድምጻዊ ቦቢ ዋይን፡ "እዚ ፕረዝደንት ዝገብሮ ዘሎ ጒዕዞ ኽሳራ እዮ" ክብል ንኤኤፍፒ ገሊጹ።
"ካብቲ ህዝቢ ካብ ዝተኣከበ ገንዘብ ብግብሪ፡ ንኸምዚ ዓይነት ጒዕዞ ካብ ምውዓል፡ ስልጣኑ እንተዝሓድግ ይሕሾ" ኢሉ።
ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







