ኡጋንዳ፡ 'ዓብይ መቐመጫ ዘለወን ኣዋልድ' ከም መስሕብ ቱሪዝም ንምጥቃም ዝወጸ ትልሚ ቁጠዐ ፈጢሩ

ከተማ ካምፓላ ኣብ ኡጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትር ቱሪዝም ኡጋንዳ ጋድፍሪ ኪዋንዳ፡ ካብ ሽምጠን ንታሕቲ ገዚፍ ቅርፂ ዘለወን ደቂኣንስትዮ፡ በፃሕቲ ዓዲ ናብ ኡጋንዳ ንክመፅኡ ከምዘኽእላ ኣተስፊዮም

ሚኒስትር ቱሪዝም ኡጋንዳ፡ ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ እታ ሃገር ክብ ንምባል፡ ካብ ትሕቲ ሽምጠን ገዚፍ ቅርፂ ዘለወን ደቂኣንስትዮ (curvy) ምጥቃም ከምዘድሊ ገሊፆም።

ጋድፍሪ ኪዋንዳ ነዚ ትልሚ እዚ ዝገለፁ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ 'ፅምብል ሚስ ከርቪ ኡጋንዳ' እዩ።

ንሶም ኣብቲ መድረኽ ውድድር ፡ ካብ ትሕቲ ሽምጠን ገዚፍ ቅርፂ ዘለወን ደቂኣንስትዮ፡ "ንበፃሕቲ ዓዲ እነፋልጦ ዛንታ እዩ" ኢሎም።

ይኹን'ምበር ርኢቶ እቶም ሚኒስተር ከምቲ ዝሃቀንዎ እንተይኮነስ፡ "ዘይሰብኣዊን ክብሪ ጓልኣንስተይቲ ዘትሕትን" ዝብል ተቓውሞ ኣስዒቡ።

ንትልሚ እቶም ሚኒስትር ዝቃወም ምትእኽኻብ ክታም ድማ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ እቲ ፅምብል ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ "እዚ መድረኽ ፅባቐ፡ ካብ ትሕቲ ሽምጠን ገዚፍ ቅርፂ ናይ ዘለወን መናእሰይ ፅባቐ እንርኤሉ እዩ" ኢሎም።

"ተፈጥሮ ፅቡቕ ቅርፂ ዘለወን፤ ክትሪአን ዘደንቓ ደቂኣንስትዮ ዓዲላትና እያ፡ ንምንታይ እዘን ደቂኣንስትዮ እዚአን ቱሪዝም ንምፍላጥ ዘይንጥቀመለን?" ምባሎም ደይሊ ሞኒተር ዝተብሃለ ማእኸል ዜና ኡጋንዳ ፀብፂቡ።

ንርኢቶ እቶም ሚኒስትር ስዒቡ፡ ነዚ ውጥን ብምቅዋም ኣብ ኦንላይን ርኢቶታት ይወሃቡ ኣለዉ።

ሓደሓደ ሰባት ርእይቶ ኪዋንዳ፡ ንደቂኣንስትዮ ኣብ መዕቆቢ ከም ዝርከባ እንስሳት ገይሩ ዝገልጽ እዩ ክብሉ ከሲሰምዎም።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space
Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space

ነቶም ሚኒስትር ንምቅዋም ኣብ Change.org ዝበሃል መተኣኻኸቢ ክታም፡ ፕሪሞርስ ሙሩንጊ ዝተብሃለት ጓልኣንስተይቲ፡ "ከምውልቀይ ከምዝተጠቓዕኩ እዩ ተሰሚዑኒ፡ ሚኒስትር ኪዋንዳ ንህዝቢ ይቕረታ ክሓቱ ኣለዎም" ኢላ።

እዚ ክብሪ ደቂኣንስትዮ ዘናእስ እዩ፡ ከም ኣቕሓ እዮም ቆፂሮምና፡ ብምባል ድማ ተቓውሞኣ ገሊፃ።

እቶም ሚኒስተር ይወሃቡ ብዘለዉ ርእይቶታት ክሳብ ሕዚ ዝበልዎ ነገር የለን።