ኒውዝላንድ ስለምንታይ ቆርበት ሰብ ካብ ኣመሪካ ተእትው ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብነትጒ እሳተ ጎመራ ኒውዝላንድ ንዝተቓጸሉ ሰባት ዝሕክሙ ዘለው ዶኳትር፡ ቆርበት ሰብ ካብ ደገ ኣታዊ ይገብሩ ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋይት ኣይላንድ እሳተ ጎሞራ ድሕሪ ምንታጉ፡ ብዙሓት ሰባት ሞይቶምን ተቓጺሎምን።
ቆርበት ናይዞም ግዳያት ንምትካእ፡ ሓካይም ኒውዝላንድ፡ ቆርበት ሰብ ካብ ኣሜሪካ የምጽኡ ኣለው።
ሓደ ናይ ምቅጻል ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ በሰልኡ ንክሓዊ ቆርበት "ተፈጥሮኣዊ መድሓኒት ዝሓዘ ፕላስተር" ኮይኑ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይግበር።
ዶኳትር፡ ቆርበት ንምትካእ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ካልእ ክፍሊ ሰብነት፤ ንኣብነት ካብ ድሕሪት እዝኒ ወይ ሰለፍ ይወስዱ።
ነዚ ምግባር ምስ ዘይክእሉ ግን፡ ብልግሲ ዝርከብ ቆርበት ክጥቀሙ ይግደዱ።
እዚ ቆርበት፡ ልክዕ ከም ካልእ ኣካላት ሰብነት፡ ብልግሲ ካብ ዝሞቱ ሰባት ዝውሰድ ኮይኑ፡ ንብዙሕ ዓመታት ተኸዚኑ ዝጸንሐ ክኸውን ይክእል'ዩ።
ሰበ ስልጣን ሕክምና ኒውዝላንድ፡ ክሳብ ሕጂ 29 ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን [ኣይሲዩ] ከምዘለውን፡ ካልኦት ዝተቓጸሉ ሰባት ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሆስፒታላት ከም ዘለውን ሓቢሮም።
እቶም 22 ከቢድ ሓደጋ ምቕጻል ስለ ዝገጠሞም፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት እዮም ዘለው።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣብ ኒውዚላንድ በብዓመቱ ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም ሓሙሽተ ቆርበት ይልግሱ።
ሓደጋ ዝበጽሖ ቆርበት ቀስ ብቐስ ክምለስ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ስለ ዝእመን፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝለግብ ቆርበት፡ ንክልተ ሰሙን'ዩ ክጸንሕ ዝኽእል።
ቆርበት ኣልጊብካሉ ክትጸንሕ ግን ግድን'ዩ።
ሜዲካል ዳይሬክተር ዶክተር ፔት ዋትሰን፡ ብሰንኪ እቲ ዝነተጎ እሳተ ጎመራ ዝበጽሐ ምቅጻል ሰባት፡ ጋዝን ኬሚካላትን ዝተሓወሶ ብምንባሩ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







