እሳተ ጎመራ ኒውዚላንድ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተረኸቡ ክልተ ሰባት ኣለው

ምንጪ ስእሊ, New Zealand Police
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዝላንድ ደሴት ዋይት ብዘጋጠመ ሓደጋ እሳተ ጎመራ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 16 በጺሑ።
በዚ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት በጺሑዎ ኣብ ሕክምና ዝነበረ ሓደ ውልቀሰብ'ውን ከም ዝሞተ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እዚ መንነቱ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ፡ ንሕክምና ናብ ኣውስትራልያ ተላኢኹ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ በቲ ፍሉሕ ከውሕን ሃልሃልታን እቲ እሳተ-ጎመራ ዝነደዱ 20 ሰባት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለው ተሓቢሩ።
እቲ እሳተ ጎመራ ዝነተጎሉ ደሴት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ኣስክሬን ክልተ ሰባት ንምርካብ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ምክትል ፖሊስ ኮሚሽነር ማይክ ክለመንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፖሊስን ምድሕን ህይወትን፡ ን75 ደቓይቕ ኣብ ዝገርዎ ፈተሻ፡ ፍረ ዘለዎ ነገር ክረኽቡ ኣይክኣሉን ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክሳብ ሕጂ ናይ ዝተረኸቡ ሬሳታት መርመራ ይግበር ኣሎ። ካብዚኦም ሓደ ወዲ 24 ዓመት ኒውዚላንዳዊ መራሒ በጻሕቲ ዓዲ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቶም ካልኦት ኩሎም ካብ ኣውስትራልያ ኮይኖም፡ ሓንቲ ጓል 15 ዓመት፤ ወዲ 53 ዓመት ወላዲ ኣቡኣ፤ ካልእ ወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ይርከብዎም።
መንነት ካልኦት መወትቲ ንምጽራይ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ድማ ፖሊስ ገሊጹ።
ብሃንደበት እቲ እሳተ ጎመራ ምስ ነተጎ፡ ካብቶም 47 ኣብ ዑደት ዝነበሩ ሰባት፡ እቶም 24 ኣውስትራልያ፣ ትሰዓተ ኣሜሪካውያን፣ ሓሙሽተ ኒውዚላንዳውያን፣ ኣርባዕተ ጀርመናውያን፣ ክልተ ቻይናውያን፣ ክልተ ብሪጣንያ፤ ሓደ ማለዥያዊ እዮም ነይሮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







