እሳተ ጎመራ ኒውዚላንድ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተረኸቡ ክልተ ሰባት ኣለው

ሰራሕተኛታት ኣለሻን ምድሓን ህይወትን ኒውዚላንድ ክሳብ ሕጂ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ይእልሹ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, New Zealand Police

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ኣለሻን ምድሓን ህይወትን ኒውዚላንድ ክሳብ ሕጂ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ይእልሹ ኣለው

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዝላንድ ደሴት ዋይት ብዘጋጠመ ሓደጋ እሳተ ጎመራ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 16 በጺሑ።

በዚ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት በጺሑዎ ኣብ ሕክምና ዝነበረ ሓደ ውልቀሰብ'ውን ከም ዝሞተ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዚ መንነቱ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ፡ ንሕክምና ናብ ኣውስትራልያ ተላኢኹ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ድማ፡ በቲ ፍሉሕ ከውሕን ሃልሃልታን እቲ እሳተ-ጎመራ ዝነደዱ 20 ሰባት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለው ተሓቢሩ።

እቲ እሳተ ጎመራ ዝነተጎሉ ደሴት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ኣስክሬን ክልተ ሰባት ንምርካብ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ምክትል ፖሊስ ኮሚሽነር ማይክ ክለመንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፖሊስን ምድሕን ህይወትን፡ ን75 ደቓይቕ ኣብ ዝገርዎ ፈተሻ፡ ፍረ ዘለዎ ነገር ክረኽቡ ኣይክኣሉን ኢሉ።

ንተኸታተልቲ መዓልታት ሬሳ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ ጻዕሪ ክግበር ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ንተኸታተልቲ መዓልታት ሬሳ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ ጻዕሪ ክግበር ጸኒሑ

ክሳብ ሕጂ ናይ ዝተረኸቡ ሬሳታት መርመራ ይግበር ኣሎ። ካብዚኦም ሓደ ወዲ 24 ዓመት ኒውዚላንዳዊ መራሒ በጻሕቲ ዓዲ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እቶም ካልኦት ኩሎም ካብ ኣውስትራልያ ኮይኖም፡ ሓንቲ ጓል 15 ዓመት፤ ወዲ 53 ዓመት ወላዲ ኣቡኣ፤ ካልእ ወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ይርከብዎም።

መንነት ካልኦት መወትቲ ንምጽራይ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ድማ ፖሊስ ገሊጹ።

ብሃንደበት እቲ እሳተ ጎመራ ምስ ነተጎ፡ ካብቶም 47 ኣብ ዑደት ዝነበሩ ሰባት፡ እቶም 24 ኣውስትራልያ፣ ትሰዓተ ኣሜሪካውያን፣ ሓሙሽተ ኒውዚላንዳውያን፣ ኣርባዕተ ጀርመናውያን፣ ክልተ ቻይናውያን፣ ክልተ ብሪጣንያ፤ ሓደ ማለዥያዊ እዮም ነይሮም።