ኣብ ኒውዝላንድ፡ እሳተ ጎሞራ ኣብ ዝነተጎ ከባቢ ናይ ህይወት ምልክት ከምዘየለ ተገሊጹ

ኣብ ደሴት ዋይት ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቀዳመይቲ ሚስተር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደን፡ ኣብ ዋይት ኣይላንድ እሳተ ጎሞራ ድሕሪ ምንታጉ ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዝወጽአ ሰብ ከምዘየለ ሓቢራ።

ኣብታ ደሴት 13 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝክእሉ ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሕጂ ሞት ናይቶም 5 ከምዝተረጋገጸ ቀዳመይቲ ሚስተር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደን ሓቢራ።

እቲ እሳተ ጎመራ በጻሕቲ ሃገር ኣብ ዝዕዘቡሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝነቶጎ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ወሰናስን እታ ደሴት ካብ ዝነበሩ 34 ሰባት ብህይወት ወጺኦም ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎ ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ኒውዝላንድ ይሕብሩ።

ካብዞም ብሂወት ዝወጽኡን ኣብታ ደሴት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ዝግመት፡ ዜጋታት ኒውዝላንድ፤ ኣውስትራልያ፤ ጀርመን፤ ቻይና፤ ማልዥያ፤ ኣሜሪካን ዓባይ ብርጣንያን ከምዝርከብዎም ፖሊስ ኒውዝላንድ ይሕብሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደን "ቤተሰብ፡ የዕሩክን መቕርብን ናይዞም ጠፊኦም ዘለዉን ዝሞቱን፡ ዝተሰማዓኩም ሓዘን ብምርዳእ፡ ንሕና እውን ነቲ ክንገልጾ ዘይንኽል ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምኳንና ንሕብር" ኢላ።

ነፋሪት ህይወት ኣድሕን ኣብታ ደሴት እኳ እንተዓለበት ዝኾነ ዓይነት ምልክት ህይወት ከምዘይረኸበት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ገሊጻ።

እታ ደሴት ብሓሙኽሽቲ እሳተ ጎመራ ተሸፊና ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እታ ደሴት ብሓሙኽሽቲ እሳተ ጎመራ ተሸፊና ትርከብ

ኣብታ ደሴት መን'ዮም ነይሮም?

ካብቶም ዝተጎድኡን ጠፊኦም ዘለዉን ዜጋትት ብዙሓት ሃገራትን ደቂ ኒውዝላንድን ከምዝርከብዎም እዩ ዝፍለጥ።

እቲ እሳተ ጎመራ ኣብ ዝነተጎሉ ኣብታ ደሴትን ከባቢ እታ ደሴትን 47 ሰባት ከምዝነበሩ ፖሊስ ኒውዝላንድ ይሕብር።

እቲ እሳተ ጎመራ ኣብ ዝነቶጎሉ ኣብታ ደሴትን ከባቢ እታ ደሴትን ካብ ዝነረበሩ 24 ኣውስትራልያውያን፤ ትሽዓተ ኣሜሪካውያን፡ ሓሙሽተ ኒውዝላንዳውያን፤ ኣርባዕተ ጀርመናውያን፤ ክልተ ካብ ቻይናን ሓደ ካብ ማልዥያን ይርከብዎም።