ኒውዝላንድ፡ ወተሃደራዊ ብረት ክትእግድ ኢያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኒውዝላንድ ድሕሪ'ቲ ሂወት 50 ሰባት ዝቐዘፈ ናይ ክራይስትቸርች ናይ መስጊድ መጥቃዕቲ ኩሉ ሓውሲ-ኣውቶማቲክ ዝኾነ ውተሃደራዊ ብረት ክትእግድ ከምዝኾነት ቀዳመይቲ ምኒስተር ጃኪኢንዳ ኣርደርን ኣፍሊጣ።
ድሕሪ'ቲ ምእጋድ ብባይቶ ምስጸደቐ ካብቲ ዝተኣገደ ዓይነት ብረት ሒዙ ዝተረኽበ ዜጋ ስጋብ 4000 ዶላር ኒውዝለንድን መቕጻዕትን ስጋብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርትን ክፍረድ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ፡ እቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሎልና ጸዓዱ ዝጣበቕ ኣውስታራልያዊ ብሪንቶን ድማ ብቕትለት ሰብ ክሲ ተመስሪትሉ ኣሎ።
መንግስቲ ኒውዝላንድ ከምቲ ኣብ ናይ ከተማ ክራይስትቸርች መጥቃዕቲ ዝውዓለ ዓይነት ሓውሲ- ኣውቶማቲክ ወተሃደራዊ ብረት ከምዝኣገደት ቀዳማይቲ ምኒስተር ጃኪንዳ ኣርድርን ገሊጻ።
ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ክልተ መሳጊድ ዝተኻይደ ሂወት 50 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ፡ እቲ ናይቲ ሃገር ናይ ብረት ምውናን ሕጊ ዓቢ ኣቕልቦ ህዝቢ ስሒቡ ጸኒሑ።
ቀዳመይቲ ምኒስተር ኣርደርን ሓድሽ ሕጊ ስጋብ 11 ሚያዝያ ዘሎ እዋን ክድንገግ ተኽእሎታት ከምዘሎ ገሊጻ።
መንነት ናይቶም ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓርቢ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ከምዝተረጋገጸን ሓደ ሰብ ድማ ብቕትለት ከምዝተኸሰሰን ኮምሽነር ማይክ ቡሽ ገሊጹ።
እቲ ብልዕልና ጽዓዱ ዝጣበቕ ኣውስትራልያዊ ብሬንቶን ታራንት ብጀካ እቲ ናይ ቅትለት ክሲ ካልእ ክስታት ክቐርበሉ ተኽእሎታት ከምዘሎ ተገሊጹ።
ብሬንቶን ኣብ 2017 ብረት ንኽውንን ዘኽእሎ ፈቓድ ረኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እንታይ ለውጢ ክግበር ኢዩ፡ መዓስ'ከ?
እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ግብረ ሽበራ መጥቃዕቲ ኢዩ ነይሩ ዝበለት ቀዳመይቲ ምኒስተር፡ "ድሕሪ ናይ 15 መጋቢት ኩሉ ታሪኽና ንሓዋሩ ክቐየር'ዩ። ኩሉ ሕጋጋትና'ውን ክቕየር ኢዩ" ኢላ።
"ሕጂ ሓሙሽተ መዓልታት ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ኩሉ ሓውሲ-ኣውቶማቲካ ዝኾነ ወተሃደራዊ ብረት ከምዝተኣገደ ብዕሊ ኣፍሊጥና ኣሎና" ኢላ ጃኪንዳ።
ብምቕጻል፡ ነቶም በዚ እገዳ ዝተተንከፉ ወነንቲ ብረት መንግስቲ ምሕረት ክህቦምን ነቲ ዝውንንዎ ብረት መንግስቲ ክዕድገሎም ከም ዝኾነ ገሊጻ። መንግስቲ ድሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ ነቲ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዘሎ ብረት ካብ 100 ስጋብ 200 ዶላር ብምኽፋል ክገዝኦ ከምዝኾነ ገሊጻ።
ድሕሪ'ቲ ናይ እገዳ መግለጺ ዝተራእየ ብረት ናይ ምግዛእ ሸበድበድ ንምግታእ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝኾነ'ውን ገሊጻ።
ብዛዕባ እቲ ዝፍቀድ ዓይነት ብረት ክትዛረብ ኮላ፡ ድርሆ ማይ ንምህዳን እንጥቀመሉ ዓይነት ግንጽል ክንውንን ንክእል ኢላ።
"እቶም ሕጋውያን ወነንቲ ብረት ደቂ ኒውዝላንድ፡ እዚ ሕጂ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ንረብሓ ሃገር ከምዝኾነን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ'ውን ኣበርክቶ ከምዝገብሩ ርግጸኛ ኢየ" ኢላ ጃኪንዳ።
ብኸመይ'ዩ እቲ ሕጊ ክቕየር?
ባይቶ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ተኣከበ፡ እቲ ነቲ እገዳ ብረት ዝምልከት እማመ ክቐርበሉ ኢዩ። ድሕሪ ዘተ፡ ባይቶ ነቲ ዝቐረበ እማመ ከም ሕጊ ከምዘጽድቆ ጃኪንዳ ገሊጻ።

ድሕሪ ናይ ምሕረት ግዜ ምውድኡ፡ እቲ ዝተአገደ ዓይነት ብረት ሒዞም ዝተረኽቡ ዜጋታት ስጋብ 4000 ዶላር ኒውዝላንድን መቕጻዕትን ስጋብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርትን ከምዝጽበዮም ገሊጻ።
እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገርና ንኸይፍጸም ተባሂሉ ዝተወስደ ኢዩ ኢላ ጃኪንዳ።
ስጋብ ሕጂ ዝጸንሐ ሕጊ ብረት ኒውዝላንድ ከመይ ነይሩ?
ስጋብ ሕጂ ዝጸንሐ ሕጊ፡ ዝኾነ ካብ ወዲ 16 ዓመት ንላዕሊ ዘሎ ኒውዝላንዳዊ ሓውሲ-ኣውቶማቲክ ዝኾነ ወተሃደራዊ ብረት ክውንን ዘፍቅድ ኢዩ ነይሩ።
ኹሎም ብረት ዝውንኑ ዜጋታት ድማ ፍቓድ ክህልዎም ይሕተቱ።
ዝኾነ ብረት ክውንን ዝደሊ ሰብ፡ ቅድሚ እቲ ፈቓድ ምርካቡ ድማ ናይ ወንጀልን ጥዕንኡን ድሕረ ባይታ መርመራ ይካየድሉ። ናይ ሓንጎል ጸገም ናይ ድሮጋ ወልፍን ኣብ ዘቤታዊ ህውከት`ውን ዝኾነ ሕሉፍ ሕሉፍ ታሪኽ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።
ሓንሳብ ብረት ናይ ምውናን ፍቓድ ምስረኸብካ ተውሳኺ ብረታት ክትገዝእ ትኽእል። ሓውሲ-ኣውቶማቲክ ዝኾነ ውተሃደራዊ ብረት ንምግዝእ ግና ካብ ፖሊስ ፍሉይ ፍቓድ የድልየኻ።
ስጋብ ሰነ 2018፡ ኣስታት 246,952 ወነንቲ ብረት ውለሰባትን ሸይጥን ነይሮ ኣብ ኒውዝላንድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







