ፕረዚደንት ቱርኪ ንምንታይ'ዩ ህዝቢ ንመጥቃዕቲ ክራይስትቸርች ክርኢ ዝምዕድ?

ኢርዶጋን 17 መጋቢት 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኒውዝላንደ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ሓደ ውልቀ ሰብ ነቶም ዝሰግዱ ዝነበሩ ምእመናን እናቐተለ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ቪድዮ፡ ብብዙሓት ተኾኒኑን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ከም ዝእለ ተገይሩ እዩ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ቱርኪ ቅድሚ እዚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ዞባዊ ምርጫ ከምዚ ዓይነት ተንቀሳቃሲ ስእሊ ንእኩብ ሰብ ምርኣይ ጽቡቕ'ዩ ይብል።

ብሰንበት ኣብ ከተማ ተኪራዳግ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ደገፍ፡ ኢርዶጋን ዘረብኡ ብምቁራጽ ነቲ ኣብ ኒውዝላንድ ዝተፈጸመ ቕትለት ሰባት ኣብ ዓብዪ ሞስኮት ቴሌቪዥን ከም ዝርእይዎ ገይሩ።

"ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ፡ ኩሎም ትካላትን መራሕቲ ሃገራትን፡ እዚ ኣብ ኣስላምን ተኸተልቲ እስልምናን ዝተፈጸመ መትቃዕቲ እናርኣዩ፡ ነቲ ቀታሊ ብክሪስትያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽብራ እዩ ክብላ ኣይክኣላን"ኢሉ።

ብምቕጻል "ኣስላማይ እንተ ዝነብር ግና እስላማዊ ግብረሽብራ ኢለን ምጸወዐኦ ነይረን" ኢሉ።

ትሕቶ እቲ ተንቀሳቃሲ ስእሊ

እቲ ስእሊ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ናብ ሓደ ኣብ ከተማ ክራይስትቸርቸ ዝርከብ መስጊድ እናኣተወን፡ ነቶም ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ምእመናን ብኣድራጋ ጠያይት እናቐተሎም ዘርኢ ኾይኑ፡ ኣብቲ ፍጻመ ኣስታት 50 ሰባት ክሞቱ እንከልዉ ብዙሓት ብፎኪስን ብኸቢድን ቖሲሎም።

እቲ ብረት ዝሓዘ ሰብ ኣብ ርእሱ ብዝኣሰራ ካሜራ እናስኣለ፡ ነቲ ተግባር ኣብ ፈይስቡክ ብቐጥታ ዘርጊሕዎ።

እንተኾነ ፈይስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያን ነቲ ቪድዮ ካብ ከብሕታተን ኣልየንኦ እየን።

ኢርዶጋን እቲ መጥቃዕቲ ናብ ኩሎም ሙስሊም ዘነጻጸረ እዩ ነይሩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢርዶጋን እቲ መጥቃዕቲ ናብ ኩሎም ሙስሊም ዘነጻጸረ እዩ ነይሩ ኢሉ

ፈይስቡክ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣስታት 1.5 ሚልዮን ቅዳሕ ናይዚ ቪድዮ ከም ዝኣለየ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢርዶጋን "እስላም ሓድነትና እንድሕር ኣጽኒዕና፡ ከምዚ ሕጂ ዝገበርዎ ከጥቅዑና ኣይክእሉን'ዮም፡ ሓድነትና እንተፎኺሱ ግን ከጥቅዑና እዮም" ኢሉ።

ኢርዶጋን ኣብ መደርኡ፡ ንተቐናቓኒኡ ከማል ምስቶም ጸላእቲ እስላም ዝወገኑ እዩ ኢልዎ።

ሚኒሰተር ወጻኢ ጉዳያት ኒውዝላንድ ዊንስተን ፐተር፡ ነቲ ኣብ ኒውዝላንድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ኢርዶጋን ኣብ ፖሎቲካዊ ምዓላ ክጥቀመሉ ምፍታኑ ከም ዘጉሃዮ ብምሕባር፡ ምስ ሰብ መዚ ቱርኪ ይዘራረብ ምህላዉ ሓቢሩ።