ህቦብላ 'ኢዳይ' 1000 ቀቲሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል ፕረዚደንት ሞዛምቢክ

ሓደ ኮቦርታ ካብ ዝዓነወ ንብረት እናሰሓበ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ካብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝነፈሰ ከቢድ ዝናብ ዝተሓወሶ 'ኢዳይ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህቦብላ (ሳይክሎን)፡ ኣብ ሞዛምቢክ ጥራይ ኣስታት 1000 ሰባት ቀቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ፕረዚደንት እታ ሃገር ፊሊፐ ኒዩሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ሰዓት 177 ኪሎ ሜትር ዝጓዓዝ ሓያል ህቦብላ፡ ብሓሙስ ኣብ ወዳባዊት ከተማ በይራኳ እንተ ወደቐ፡ ወሃብቲ ህጹጽ ረዲኤት ግን ብሰንበት'ዮም ኣብቲ ከባቢ ክበጽሑ ኪኢሎም።

ወግዓዊ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት 84 ምዃኑ'ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሓያሎ ምህላዎም ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

በይራ ሰንበት ድሕሪ'ቲ ህቦቡላ ካብ ኣየር ክትረአ እንከላ

ምንጪ ስእሊ, IFRC/CAROLINE HAGA

መግለጺ ስእሊ, በይራ ሰንበት ድሕሪ'ቲ ህቦቡላ ካብ ኣየር ክትረአ እንከላ

እቲ ሎሚ ኣብታ ከተማ ምብጻሕ ዝገበረ ፕረዚደንት ንዩሲ፡ ሬሳታት ኣብቲ ዕልቕልቕ ከንሳፍፉ ከም ዝራኣየ'ውን ተዛሪቡ።

ህቦብላ 'ኢዳይ' ብከቢድ ዝናብ ዝተሰነየ ምዃኑ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዕልቕልቕ ከም ዘስዓበን፡ ሰባት ናብ ናሕሲ ኣባይቶምን ኣግራብን ክዕቆቡ ከም ዝተገደዱን ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ኮኾብን ሓቢሮም።

'ኢዳይ' ኣብ ዚምባብወ'ውን 98 ሰባት ከም ዝቐተለን 217 ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠን መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ዋሃብቲ ረዲኤት ትካላት ከም ዝሓበረኦ ድማ ኣብ ማላዊ፡ እቲ ሓያል ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ 122 ሰባት ቀቲሉ ።

በቲ ህቦብላ ጉድኣት ዝወረዶም ልዕሊ 1500 ሰባት ቁሱላት ከም ዘለዉ'ውን ጸብጻባት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ዝፈረሰ ድልድል ጽርግያ

ኣብ ኩሉ 'ኢዳይ' ዝሓለፎ ከባቢታት'ውን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ'ሎ።

ድሮ፡ መንግስቲ ዚምባብወ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ኣዊጁ'ሎ።

ሂወት ናይ ምድሓንን ምእካብን ንጥፈታት ክካየድ ጀሚሩ'ኳ ንተሃለወ፡ ስፍሓት ናይቲ በቲ ህቦብላ ዝተጠቐዐ ከባቢታተን፡ ሕጽረት ትሕተ-ቅርጽን ከምቲ ዝድለ ህጹጽ ሓገዝ ከይግበር በዳሂ ኮይኑ'ሎ።