ሞዛምቢክ፡ ቻይናዊ ኣሰጋጋሪ ቀርኒ ሓርሽ ቀይዳ

ቀርኒ ሓርሽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ሞዛምቢክ፡ ትሽዓተ ኣቕርንቲ ሓርሽ ካብታ ሃገር ከዉጽእ ንዝፈተነ ቻይናዊ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ማፑቶ ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ሽሙ ዘይተገለጸ ወዲ 49 ዓመት ቻይናዊ፡ ነቲ ቐርኒ ካብ ኣሉሚንየም ብዝተዳለወ መጠቕለሊ ብምሽፋን ኣብ ባልጅኡ የእቲዩ ከሕልፎ ከም ዝፈተነ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከተማ ማፑቶ፡ ኦርላንዶ ሙዱመን ሓቢሩ።

ጥርጡር ንባልጅኡ ከፈትሽ ከሎ እቲ ቐርኒ ከም ዝተረኽበ፡ ሚስተር ሙዱመን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ተታሒዙ ዘሎ ሰብኣይ ኣካል መርበብ ገበነኛታት ክኸዉን ከም ዝኽእል ፖሊስ ይጥርጥር።

ጥርጡር፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ማፑቶ ዝቕመጥ ዝነበረ ኮይኑ፡ ነቲ ቐርኒ ናብኡ ዘምጽኡሉ ካልኦት ኣባላት እቲ ጉጅለ ከም ዘለዉ ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ እቶም ሓርሽ ኣበይ ከምዝተቐትሉ ክሕብሩ ዝኽእሉ ካልኦት ሰባት ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣብ ደቡባዊ ሞዛምቢክ ክልቲኦም ዓሌት ኣፍሪቃዊ ሓርሽ፡ ማለት ጸዓዱን ጸለምትን፡ ጸኒቶም ብምህላዎም፤ እቲ ቐርኒ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጸ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

እቲ ቻይናዊ ናብታ ዕሙር ዕዳጋ ቐርኒ ዘለዋ ቬትናም ኢዩ ዝገይሽ ነይሩ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ ማፑቶ ኣቕርንቲ ክተሓዝ እዚ ንራብዓይ ግዜ እዩ።