ታንዛንያዊ ቢልዮነር መሓመድ ደውጂ፡ ጨወይቱ ክቐትልዎ ሓቲቱ ምንባሩ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ታንዛንያዊ ቢልዮነር መሓመድ ደውጂ ተጨውዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ዝጨወይቱ ክቐትልዎ ሓቲቱ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
መሓመድ፡ ቅድሚ 12 ኣዋርሕ፡ ኣብ ከተማ ዳረሰላም ታንዛንያ ካብ ኣፍደገ ሓደ ሆቴል እዩ ተጨውዩ።
ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንፈለማ እዋን ንመራኸቢ ብዙሓን ዝተዛረበ መሓመድ፡ ኣዒንቱ ሸፊኖም ከም ዝወሰድዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ ድሕሪ 10 መዓልቲ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት መበጆ ከም ዝተፈትሐ ይዛረበ።
"ኣዒንተይ ተሸፊኑ'ዩ ነይሩ፤ ብረት ኣብ ርእሰይ ገይሮም የፈራርሑኒ ነይሮም። ኣብ ሓሙሻይ ሻዱሻይ መዓልቲ ዝዓውር ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ኢሉ ደውጂ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዕላል።
"እቲ ጨዋዪ 'ክቐትለካ'የ' ብዝዓይነቱ እዩ የጉባዕብዓለይ ነይሩ፤ ኣነውን 'ቅተለኒ' ዝዓይነቱ ይምለሰሉ ነይረ፤ ምኽንያቱ ተወዲኡኒ እዩ ነይሩ"
መሓመድ፡ ሰባት ይደልይዎ ከም ዘለው ይሰምዕ ምንባሩ ገሊጹ።
ድሕሪ ምጭዋዩ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልትታት ጥቅምቲ 2018፡ ትካሉ ሚቲኤል፡ መሓመድ ብሰላም ናብ ቤቱ ከም ዝተመለሰ ብትዊተር ሓቢሩ።
እቶም ጨወይቲ፡ ካብቲ ዝጨወይዎ ሆቴል ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ቦታ ሓዲጎምዎ ከም ዝኸዱ መሓመድ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብዛዕባ ምኽንያት መጭወይኡ ክሳብ ሕጂ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
"ንምንታይ ከም ዝጨወዩኒ ክሳብ ሕጂ ኣይፈልጥን፤ ግና ገንዘብ ዝደለዩ ይመስለኒ። ኣብ መወዳእታ ግና ብዘይ ገንዘብ ሰዲዶምኒ" ይብል መሓመድ።
እቶም ጨወይቲ እቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝነበረ ጸቕጢ ሓይልዎም ክኸውን ከም ዝኽእል መሓመድ ይግምት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







