መሓመድ ደውጂ፡ ሃለዋቱ ዝሓበረ ዓስቢ ከም ዝወሃብ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስድራ እቲ ብሓሙስ ዝተጨውየ ታንዛንያዊ ቢልዮነር መሓመድ ደውጂ፡ ንሃለዋቱ ዝምልከት ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ፡ ናይ 1 ቢልዮን ሽልንግ ታንዛንያ ማለት 440,000 ዶላር ዓስቢ ከም ዘዳለዉ ኣፍሊጦም።
እቲ ዝነኣሰ ኣፍሪቃዊ ቢልዮነር ምዃኑ ዝንገረሉ ሚስተር ደውጂ፡ መንነቶም ብዘይተፈለጠ ዕጡቓት እዩ ኣብ ከተማ ዳረሰላም ተጨዉዩ።
ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ፖሊስ ልዕሊ 20 ሰባት ኣሲሮም ኣለዉ።
እቲ ምኽንያት መጭወይን ኣበይ ከም ዘሎን ዛጊት ዝተነጸረ ነገር እኳ እንተዘየሎ፤ ክልተ ካብቶም ጨወይቲ ጸዓዱ ጸዓዱ ምዃኖም ፖሊስ ይሕብር።
እቲ ሰሊዖምዎ ዘለዉ ዓስቢ ኣብቲ መርመራ ንፖሊስ ክሕግዝ ይኽእል ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ወሃቢ ቃል እታ ስድራ፡ ኣዚም ደውጂ ገሊጹ።
"ንሃለዋት ወድና ሓበሬታ ኣሎኒ ዝብል ሰብ እንተ መጸና ምስጢሩ ክንዕቅበሉ ምዃንና ነረጋግጸሉ" ኢሉ።
ኣብ ታንዛንያ፡ ጭዉያ ልሙድ ተርእዮ ከም ዘይኮነ ሪፖረተርና ይሕብር።
መሓመድ ደውጂ መን'ዩ?
ፊናንስያዊት መጽሔት ፎርብስ፡ መሓመድ ደውጂ፡ 1.5 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ሃብቲ ከም ዘለዎን፡ ታንዛንያዊ እንኮ ቢልዮነር ምዃኑን ጸብጺቡ።
እቲ ኣብ 2017 ዝወጸ ጸብጻብ፡ ወዲ 43 ዓመት ሚስተር ደውጂ፡ ናይ ኣፍሪቃ ዝነኣሰ ቢልዮነር ምዃኑ ይሕብር።
ሚስተር ደውጂ ዋና መዋሊ፡ ዝዓበየት ታንዛንያዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ፡ ሲምባ እውን'ዩ።
ኣብ 2016 ለዕሊ ፍርቂ ናይ ሃብቱ ንግብረሰናይ ክዉፊ ምምጽብኡ መጽሔት ፎርብስ ጸብጺቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







