ርዋንዳ ካልኦት ተወሰኽቲ ስደተኛታት ክትቕበል እያ

ካብ ሊብያ ተመሊሶም ኣብ ርዋንዳ ተዓቑቦም ዘለው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, UNHCR Rwand

ርዋንዳ፡ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ተታሒዞም ዘለው ካልኦት ተወሰኽቲ ስደተኛታት ከም እትወስድ ኣፍሊጣ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር ናብታ ሃገር ክግዕዙ እዮም።

እቲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፤ ከባቢ 120 ስደተኛታት ሳልሳይ ጉጅለ ናብታ ሃገር ክግዕዙ ምዃኖምን፡ እዚ ከኣ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዮ።

ርዋንዳ፡ ከባቢ 500 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሊብያ ክትቅበል ተሰማሚዓ ነይራ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ተታሒዞም ዝነበሩ 66 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ኣቲዮም እዮም። ኣብዚ ወርሒ ድማ፡ ብበዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ከም ዝገዓዙ ይፍለጥ።

እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም እዮም ዘለው።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ርዋንዳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቶም ካብ ሊብያ ዝኣተው ስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ተሓባቢሮም ዝከኣሎም ይገብሩ ምህላው ገሊጹ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።