ትውልዲ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ደቀባት እንታይ እዩ?

ሰበይቲ

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ብቑጽሪ ውሑዳት ደቀባት ህዝብታት ንቕሓትን ኣፍልጦን ንምዕባይ ብ1982 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ጉጅለ ኪኢላታት 09 ነሓሰ ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደቀባት ክትበዓል ወሲኑ።

ንምዃኑ መን እዩ ወደባት?

ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዓዱን ዓውዱን ወደባ'ት እዩ። ኣብታ ዝተወልደላ፡ ናተይ ዝብላ፡ ወለዱን ዓዱን ዘጽንሑሉ፡ ብውርሻ ዝሓተላ፡ ርስተይ መሬተይ፡ ቤተይ መረበተይ፡ ዓውደይ ታቦተይ፡ ቅርዓተይ መስጊደይ ኣብ ዝብለላ መሬት ወደባት እዩ።

እዚ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ "ደቀባ'ት" ወይ (ተወለድቲ ሓደ መሬት) ክብል ዘቐመጦ ሓሳብ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ሓደ ኣከባቢ ንነዊሕ ዓመታት ክነብሩ ዝጸንሑን ዝነብሩ ዘለውን ቀዳሞት ሰፈርቲ፡ ካብ ዘበናዊ ዓለም ዝርሓቑ፡ መሰረታዊ ልምዓትን ምዕባለን ዘይረኸቡ ወይ ዝጎደሎም፡ ውሑድ ዝቑጽሮም ውሁዳን (ማይኖሪቲ) ሕብረተሰባት እዩ ዘመልክት።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ቁጽሮም ውሑድ ዘይኮነ ደቀባት ኣህዛብ፡ ኣብቲ መሬትና ርስትና ዝብልዎ ኣከባቢ፡ ካብ ዘበናዊ ዓለም ርሒቖም፡ በቲ ዝለመድዎን ዝረዓምዎን ባህሊ ዝነባበሩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ ታሪኽ ብዙሓት ካብዞም ደቀባት አህዛብ፡ ብሓደስቲ ምጻእ እናተደፍኡን እናተዓብለሉን ክሳብ ኣብ ምጽናት ደረጃ ዝበጽሑ ኣይተሳእኑን።

መቦቆላውያን

ካብዚ ክውንነት ተበጊሱ ከኣ እዩ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሳነ 49/214 ብ 23 ታሕሳስ 1994 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት 09 ነሓሰ መዓልቲ ደቀባት ኮይና ክትበዓል ወሲኑ።

ብድሕሪኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት፡ ኣብ 1995-2004፡ ብውሳነ 45/164 ከምኡ እውን ካብ 2005 - 2014 ብውሳነ 59/174 ንከም ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣከባቢያዊ ውሕስነት፤ ልምዓትን ምዕባለን ትምህርቲ፤ ጥዕና፡ ቁጣባውን ማሕበራውን ጸገማትን ሕጽረታትን ብዝምልከት ዕቱብ ኣድህቦ ክግበረሉን ክስረሓሉን ወሲኑ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉዳይ ጥዕና ሓደ ካብቲ ንደቀባት ዘጋጥሞም ዝዓበየ ጸገማት ምዃኑ ብምልላይ ንቕሓት ማሕበረ ሰብ ዓለም ብምብራኽ፡ ንቕሓት ብምፍጣር፡ ካብ ምክልኻልን ክሳብ ምፍዋስን ሕማማት ምጥፋእን ዝኸይድ ዘመተ ክካየድ ዘተባብዕን ዝሰርሕን።

ኣብ ዓለምና፡ ኣብ ኣስታት 90 ሃገራት ክሳብ 370 ሚልዮን ዝገማገሙ ደቀባት ከም ዘለውን፡ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ከም ዝውክሉን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

እዞም ኣስታት 7000 ቋንቋታትን 5000 ዝተፈላለየ ባህልን ከምዘለዎም ዝነገሮም ድኻታት ደቀባት ኣህዛብ፡ ካብቲ ህዝቢ ዓለም ዝነባበረሉ ልሙድን ዓብላልን ልምድታትን ባህልን ፍልይ ዝበለ ቅዲ ኣነባብራ እዮም ዝኸተሉ።

ደቂ ባት

ብታሪኽ ክረአ እንከሎ እዞም አህዛብ፡ ኣብ ዝተፋላለየ እዋን ሰብኣዊ መሰላቶም ዝተጋህሰ፡ መሬቶም ዝተወርሰ፡ ግፍዕን በደልን ዝወረዶም እውን እዮም።

ኣነባብራን ባህልን እዞም አህዛብ ክኽበርን ክዕቀብን ከኣ እዩ ሕቡራት ሃገራት ክሰርሓሉ ዝጽዕር ዘሎ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት (ዕቁድ) ክካየድ ብዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ብዛዕባ እቶም ሕብረተሰባት ኣፍልጦን ንቕሓትን ኣበሪኹ ዝምስገን ንጥፈታት ከም ዝተኻየደ ይሕብር።

ናይ ለብዘበን በዓል ከኣ "ቋንቋ ደቀባት ይተዓቀብ" ብዝብል ቴማ እዩ ዝኽበር ዘሎ። ከም ዝፍለጥ ቋንቋ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት ዓቢ ተራ እዩ ዘለዎ።

ሰባት ብቋንቋ እዮም ዝበሃሃሉ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጡ። ይኹን እምበር ምስዚ ኹሉ ኣገዳስነቱ፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለው ጥንታዊ ቋንቋታት ደቀባት ብዙሓት ይጠፍኡን ይሃሱን ኣለው።

መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ፡ ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ሓደ ካብ ጥንታዊ ቋንቋ ደቀባት ይሃስስን ይዳኸምን ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ኣስተብህሎ ክትገብረሉ ብምሕላን፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ንዕቃበ ቋንቋ ወፍዩዎ ዘሎ።

ኣህጉራዊ መዓልትን ዝኽርን ዝውደበሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ሰባት ነቲ ዕለትን ኣጋጥምን ተጠቒሞም፡ ክምህሩን ከነቓቕሑን፡ ከምኡ እወን ፖለቲካውያን ኣካላት ነቲ ዝለዓል ሕቶ ተገንዚቦም፡ ክእለትን ንዋትን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ነቲ ዝድለ ዕማም ክገጥሞዎ ስለ ዘተባብዕ እዩ።